Accessibility links

Breaking News

ሰብኣዊ ሓገዝ ንደቡብ ሱዳን


2021 ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ሓደገኛ ዓመት ክኾን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ። ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት እታ ሃገር ካብ ሱዳን ተፈልያ ናፅነታ ድሕሪ ምእዋጅ 10 ዓመት ንደሓር እቲ ዝኸፍአ ክበሃል ዝኽእል ሕፅረት መግብን ዝተመጣጠነ መግብን ኣጋጢሙዋ ኣሎ ።ብፍላይ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ግንቦት ስጋብ ወርሒ ሓምለ ኣብዘሎ እዋን እቲ ዝኸበደ እዋን ጥምየት ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

7.7 ሚልየን ካብ ዝኸውን ህዝባ እቲ ኣስታት ክልተ ሲሶ:1.4 ሚልየን ንዝግመቱ ህፃናት ሓዊሱ ከቢድ ሓደጋ ሕፅረት መግቢ ከጋጥማ እዩ ። ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጓነፉዋ ሓደጋታት ውሕጅን ለበዳ ኮቪድ 19 ሓዊሱ ኣብ ምግዳድ እቲ ሓደጋ ግደ ኣለዎም ። እቲ ዝበዝሕ ፀገም ግን ሰብ ሰራሕ እዩ። ንዓመታት ዝተካየደ ኲናት ሕድሕድ ፣ ዓሌታዊ ጎንፅታት ፣ፖለቲካዊ ግጭታትን ብልሽውናን ዝፈጠሮ ዘይምርግጋእን ሳዕቤናቱን እዮም። ይኩን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደጋ ውሕጅ ፣ለበዳ ኮረና ቫይረስን ወራር ኣምበጣን ነቲ ቅልውላው ኣጋዲዱዎ ይርከብ ።

ነቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ናብ ሓደጋ ጥምየት የምርሕ ዘሎ ኩነታት ሕፅረት መግቢ ኣሜሪካ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ልዕሊ 95 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ከምእትገብር ኣፍሊጣ ። እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2021 ዛጊት ኣሜሪካ ዝሃበቶ ሰብአዊ ሓገዝ ልዕሊ 482 ዶላር በፂሑ ይርከብ ።

በዚ ገንዘብ እዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣድላዪ ዘበለ ኣገልግሎት ጥዕና ፣ ሓለዋ ደሕንነት፣ መፅለሊ ፣ ቀረብ ዝስተ ማይ ፣ ኣገልግሎት ሓለዋ ፅርየት ውልቀንከባቢን ከምኡ'ውን ብዓብይኡ ብሕፅረት መግብን ዝተመጣጠነ መግብን ዝተሃሰዩ ብሚልዮናት ንዝቁፀር ህዝቢ ከቅርብ እዩ ። ብዝተኻእለ መጠን እቲ መግቢ ብዓለምለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ኣቢሉ ኣብዚ ዓመት ምህርትታቶም ክእክቡ ካብ ዝኸኣሉ ሓረስቶት ደቡብ ሱዳን ዝዕደግ ይኸውን ። በዚ መንገዲ ኣብዚ ዓመት USAID ዝሐሸ ምህርቲ መግቢ ንኽእከብ ተተባብዕ ። እዚ ኣሜሪካ እትገብሮ ምትሕብባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበለን ካብ ሃገር ወፃኢ ተሰዲዶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፣ ሱዳን፣ኢትዮጵያ፣ኡጋንዳን ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎን ዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን'ውን ዝሓወሰ እዩ ።

ንደቡብ ሱዳን ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሜሪካ እታ ዝዓበየት ለጋሲት ሃገር እያ ። እዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ሰብ ሰራሕ ፀገም ደቡብ ሱዳን እንተዘይፈትሐ'ውን ወፅዓ ስቪላውያን ንምቅላልን ህዝቢ ካብ ሓደጋ ንምክልኻልን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ።

ኣብ መወዳእታ ፖለቲካዊ ፍታሕ እዩ ስቃይ ደቡብ ሱዳናውያን ጠጠው ከብሎ ዝኽእል ።

XS
SM
MD
LG