Accessibility links

Breaking News

ሰብኣዊ ሓገዝ ንዩክሬን


“ኣሜሪካ ምስ ዩክሬን ዘለዋ ምሕዝነት ፅኑዕን ቀፃልነት ዘለዎን እዩ ።”ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶንድዮ ብሊንከን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም “ኣብዚ ሰዓት ቀንዲ ጠመተና ንዩክሬናውያን ዘድልዮም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዛት ምብፃሕ ነቲ ሩስያ ብዘይ ምኽንያት ቀዲማ ተሊማ ትፍንዎ ዘላ ዘይፍትሓዊ ጥቅ፟ዓት ንወስዶ ግብረ መልሲ እዩ ።” ኢሎም ።

ኣሜሪካ ደሕንነት ዩክሬናውያን ኣብ ግምት ብምእታው ብወራር ሩስያ ኣብ ሓደጋ ንዝወደቁ፟ ንምሕጋዝ 54 ሚልየን ዶላር ዝፅጋዕ ሰብኣዊ ሓገዛት ከም እትህብ ኣፍሊጣ እያ ።እዞም ሓገዛት ከባቢ 26ሚልየን ዶላር ዝኸውን ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፣ 28 ሚልየን ዶላር ኣቢሉ ድማ ካብ ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ /USAID/ ንዝተረኽበ ሓዊሱ እዩ ።

ኣሜሪካ ካብቶም ዓበይቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ዩክሬን ዝምውሉ ሓንቲ ኮይና ኣብዚ እዋን ብምኽንያት ወራር ሩስያ ዝያዳ ንዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት ዩክሬን እትገብሮ ሰብኣዊ ሓገዛት ካብቲ ቅድሚ 8 ዓመት ዝነበሮ ናብ ከባቢ 405 ሚልየን ዶላር ክብ ኢሉ ይርከብ ።

“እዚ ኣብ ቀረባ ዝባፃሕ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ብነፃ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣቢሉ ዝወሃብ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ሰብኣዊ ስራሕቲ ጥራሕ ዝሰርሑ ፣ ዘይሻራውያን ነፃ ትካላት ኣቢሉ ዝባፃሕ እዩ ” ኢሎም ብሊንከን ።

እዚ ድማ ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ንህዝቢ ዩክሬን መግቢ ፣ፅሩይ ዝስተ ማይ ፣መፅለሊ፣ ቀረባት ጥዕና እዋን ሓደጋ ፣ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘድልዩ ሓገዛትን መከላኸሊን ንኸቅ፟ርቡ ዘኽእሎም እዩ ። ከምኡ'ውን ኣሜሪካ እትገብሮ ገንዘባዊ ሓገዛት ሰብኣውያን ትካላት ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተበታተኑ ስድራ ከራኽሉቡን ከተኣኻኽቡሉን ዝሕግዝ እዩ ።

ኣሜሪካ ጎረባብቲ ህገራት ዓዶም ሓዲጎም ይስደዱ ንዘለዉ ዩክሬናውያን በሮም ከፊቶም ምቅ፟ባሎም ትንእድ ። ከምኡ በርታቶም ክፍቲ ገይሮም ዓለም ለኻዊ ሓለዋ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንኽረኽቡ ተወሳኺ ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ትገብር ኣላ ። ከም ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ስጋብ ሐዚ ልዕሊ 600,000 ዝኾኑ ዩክሬናውያን ምስዳዶም ሓቢሩ እዩ ። ካብተን ቀዳምነት ሂበን ስደተኛታት ዝቅ፟በላ ዘለዋ ሃገራት ፖላንድ ፣ ሮማኒያ ፣ ሃንጋሪ ። ሞልዶቫን ስሎቫክያን ይርከብኦም ። ሰማንታ ፓወር ኣብ ቀረባ ዝገበረኦ ቃለ መሕተት “ እተን ሃገራት ልቦም ፣ ገዛውቶም ፣ ምግብታቶምን መገልገልታትን ፣ ንህፃውንቲ ዝኸውን ዳይፐራት ፣ መጉዓዝያ ጋርታት ህፃውንቲን ፣ንዓበይቲ ክዳውንቲን የቅ፟ርቡሎም ኣለዉ ” ኢለን። “ ኣብ መፃኢ ካብ 3 ስጋብ 5 ሚልየን ዝበፅሕ ህዝቢ ናብተን ጎረባብቲ ሃገራት ክውሕዝ ይኸእል እዩ” ዝብል እዩ ግምተን ሰመንታ ፓወር ።

ብሊንከን ዕቁባ ንዝሓቱ ናብ ዩክሬን ክምለሱ ንዘይደልዩ ዩክሬናውያን ዝበኣሰ ሓደጋ ክወርዶም ስለዝኽእል ማሕበረሰብ ዓለም መፅለሊ ክህቦምን ከዕቁብዎምን ፀዊኦም ።

ኣሜሪካ ነዚ ቅልውላው ሓገዝ ክገብሩ ንዝደልዩ ሰብኣውያንን መወልትን ብሓጎስ ከምእትቅ፟በልን ካልኦት ድማ ነቲ ኣብ ዩክሬን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልጡፍ ምላሽ ዘድልዩ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክሕግዙ ተተሓሳስብ ።

XS
SM
MD
LG