Accessibility links

Breaking News

ሱዳን ንአድማ እስራኤል ትስርዝ


ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ባዓል ስልጣን ሱዳንን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ሱዳን ንልዕሊ ሹዱሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፀንሐ ክልከላ ርክባት እስራኤልን ሱዳንን ዝድንግግ ሕጊ ክስረፅ ብድምፂ ወሲኑ ። እቲ ሕጊ ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከይህሉ ፣ዝኾነ ዓይነት ንግዳዊ ርክባት ምስ መንግስቲ ኣይሁድ ንኽህሉ ዘየፍቅድ እዩ ። ምስ እስራኤላውያን ንግዳዊ ርክባት ዝፈጠረ ሰባት ስጋብ 10 ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርትን ካልኦት ከበድቲ ቅፅዓታት ይስዕቡዎም ።

ዩናይትድ ስቴትስ እዚ ሓዱሽ ለውጣኣዊ ውሳንነ ከምዘሖጎሳ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ ተዛሪቦም። ንሶም "እዚ ኣዝዩ ወሳናይ ስጉምቲ'ዩ ። ንህዝቢ ሱዳን፣እስራኤልን ብሓፈሻ ነቲ ዞባ ሓዱሽ ተስፋ ዘለዎ ስጉምቲ ዝፈጥር እዩ ። ወሳናይ ስጉምቲ 'ዩ ።" ኢሎም።

እዚ ውሳነ ሱዳንን እስራኤልን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ምስ ዩናይትድ ስቴትስ ዝፈረመኦ ውዕሊ ኣብርሃም ዝያዳ ርክባተን ዘማዕብል እዩ ። ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ 2019 ወርሒ ነሓሰ ህዝቢ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ኣምባገነናዊ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ብሓይሊ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ ።

ኣብዚ እዋን እታ ሃገር ምስ ምዕራባዊያን ዝተመሓየሸ ርክብን ቁጠባዊ ልምዓት ክህሉ ምስ ዝደሊ ሲቪላዊ መንፍስቲ ስግግር ትምራሕ ኣላ ።

ቁጠባ ሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዝፀንሐ እስላማዊ ድሕሪ ቤት ዝነበሮን ኣብ 1989 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኮረቻ ስልጣን ተቆ፟ፃፂሩ ዝፀንሐ ምምሕዳር ኣልበሽር ዋሕዲ ሰናይ ምምሕዳር ክሳቀ፟ ዝፀንሐ እዩ ። ኣብ 1990 ሱዳን ከም ዖሳማን ቢላደንን ካልዓኦትን ዝበሉ መራሕቲ አልቃዒዳ ዑቅ፟ባ ምሃባ ምስ ንአሸበርቲ ዝምውላ ሃገራት ተባሂላ ክልከላ ካብ ዝተነብረለን ሃገራት ኮይና ፀኒሓ እያ።

በቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ሱዳን ብዝተወስዱ ስጉምትታት ሱዳን ብደረጃ ዓለም ንግብረሽበራውያን እትገብሮ ሓገዝ ጠጠው ኣቢላ ኣብ 2020 ወርሒ ታሕሳስ ካብ መዝገብ ሽም ዝርዝር መወልቲ ግብረሽበራውያን ዩናይትድ ስቴትስ ክጽረዝ ገይራ እያ ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንቡራዊ ስምምዓት ኣብ ሞንጎ እስራኤል ፣ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ኤምሬት ባሕሬንን ተፈራሪሞም። ሞሮኮ'ውን ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ፈጢራ ትርከብ ።

" ርክባት እስራኤልን ሱዳንን ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓዱሽ ዘመን ምብፅሑ ብሓጎስ ኢና ንቅ፟በሎ " ይብሉ ወሃቢ ቃል ዩናይትድ ስቴትስ ፕራይስ " ንመፃኢ ድማ ነቲ ዓጋቲ ሕጊ ዝተከአ ውፅኢታቱ ንምርኣይ ብሃንቀውታ ንፅበ ።" ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG