Accessibility links

Breaking News

ሶማል ዝተደናጎየ ምርጫ ከተካይድ ኣለዋ


ምድንጓይ መረፃ ሶማልያ ኣብታ ሃገር ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ ። ነዚ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ዘይምትእምማን ፀገም ፀጥታ፣ ዘይምርግጋእን ምትእጉጓል ልምዓትን ኣብታሃገር ብምስዓቡ ዩናይትድ ስቴጽ ሻቅ፟ሎት ከምዝፈጠረላ ሚኒስትር ጉዳታት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም ኣመልኪቶም ።ከምግዚኣዊ ሕገመንግስቲ ሶማሊያ ፓርላመንታዊ ኮነ ፕሬዝዳንታዊ መረፃታት ናይግድን በቢ ኣርባዕተ ዓመት ክሳለጥ ይድንግግ ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም 2020 ፕሬዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ማለትውን ፋርማጆን ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት መንግስቲ ፌደራል ዝኾኑ መራሕቲ ስቴታትን ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ኣብ ዝብል ቅርፃዊ ሓሳብ ዝተሰማምዑ ኮይኖም ኣብ ኣፈፃፅሙኡ ኛ ኩሎም ነናይ ባዕሎም ጥቅ፟ሚ ብዘፈፅመሉ መልክዕ ክኸውን ካብምድላዮም ዝተበገሰ ብዘይምስምመዖም ክሳኻዕ ኣይከኣለን ከሰማምዕዎም ተባሂሎም ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት ብዘይ ገለ ፍታሕ ተበቲኖም እዮም ።

ዕድመ ስልጣን ፕሬዝዳንት ፋርማጆ የካቲት 8/2021 ኣብቂዑ ።ይኹን እምበር ስጋብ ሐዚ ኣብ ስልጣኖም ኮፍ ኢሎም ይርከቡ ፣ ዕድመ መንግስቶምን ስልጣኖምን ንምንዋሕ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መስከረም 2020 ዘፅደቆ ስምምዕነት ሓቋፊ ቅርፂ መረፃ ብምጥቃስ ኣብስልጣኖም ይርከቡ ። ከምቲ ኣብ 2012ን 2016 ዝነበረ ምድንጓያት ፖለቲካዊ ስግግር ፋርማጆ ብተቃ፟ወምቲ ሓይልታት ኣቢሉ ከይዲ መረፃ ከሳልጡን ኩነታት ፀጥታ ክቆፃፀሩን ንዝቀ፟ረበሎም ሕቶ ነፂጎሞ ።እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ወጥሪ ፈጢሩ ይርከብ ኢሉ'ውን ኣንፃር መንግስት ተቃወምቲ ፓርትታት ካብዝፀውዕዎ ሰልፊ ተቃ፟ውሞ ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፊዴራልን ምስ ተቃ፟ወምቲ ፓርትታት ርክብ ዘለዎም ሓይልታት ሚሊሻን ኣብ ሞቃ፟ዲሾ የካቲት 19 ጎንፂ ተፈጢሩ ነይሩ ።እዚ ድማ ሓደገኛ ኣካይዳ ቡሙኳኑ ብእዋኑ ክፍታሕ ይግባእ።

" መንግስቲ ፌዴራልን ኣባላት መራሕቲ ክልልን ንግዚኡ ፖለቲካዊ ኣፈላላያቶም ንጎን ብምሕዳግ ህዝቢ ሶማሊያ ንዘሰከሞም ሓላፍነት ብምቅዳም ብቅልጡፍ ግልፅን ርትዓውን መረፃ ከካይዱ ንፅውዕ " ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ።እዚ ተፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ፀገም ስጋብ ሎሚ ንዝተሳለጡ ለውጥታት ልምዓት ዘዕኑ፣ ሶማሊያ ዕዳኣ ሙሉእ ብሙሉእ ክስረዝ ትከዶ ዝነበረት ጉዕዞ ዘደናጉይን ግብረሽበራ ንምቅላስ ዘተዓናቅ፟ፍን ኮይኑ እዩ ።

ዩናይትድ ስቴትስ ሶማሊያውያን ብሰላማዊ መንገዲ ዘካይድዎ ሰልፊ ተቃውሞ ከምእትድግፍን ብኣንታሩ ድማ ብዝኾነ ሓይሊ ንዝለዓል ጥቅ፟ዓት ትቃወም ። ብሙኳኑ መራሕቲ ሶማሊያ መፃኢ እድል እዛሃገር ንምሕላው ብቅ፟ልጡፍ ፕሬዛንታውን መረፃ ወከልቲ ህዝቢ ከካይዱ ንፅውዕ ።

XS
SM
MD
LG