Accessibility links

Breaking News

ቅ ዋም ኣመሪካ ኣብ ግብረ መልሲ ቫይረስኮሮና


ኣሜሪካ ንኮቪድ ፩፱ ተግባራዊ ምላሽ ኣብ ምሃብ መሪሒነት ሒዛ ትቅ፟ፅል ኣላ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛሪቦም ። “ ክታበታትን ህይወት ኣድሕን ናውቲን ምምዕባል ንከም ኮቫክስ ዝበሉ ዓለም ለኸ ዝርገሐ ክታበታት ኣብ ምድጋፍ ዝለዓለ ግድ ተፃዊትና ፣ ኣብ ዓለም ልዕሊ ፪፫፬ ሚልየን ክታበታት ንልዕሊ ፻ ዝኾና ሃገራትን ቁጠባን ሓጊዝና ኢና ኢሎም ። እዚኦም ዋላእኳ ወሰንቲ ስጉምትታት እንተኾኑ ዝያዳ ክንሰርሖም ዝግብኡና ነገራት ግን ኣለዉ ክብሉ ኣብቲ ንኮቪድ ዝምልከት ኣኼባ ሚኒስትራት ሰለስት ክዕመሙ ዝግበኦም ስጉምትታት ሓቢሮም ።

ቀዳምይ ክታበታት ኮቪድ በቲ ዝድለ መጠን ይባፅሕ ምህላዉ ንምርግጋፅ ፣ዓለም ለኸ ኣብ ኮቪድ ዝሰርሑ ትካላትን ናይ ውልቀ ትካላት ዝመርሕዎም ካምፓኒታትን ጥምረት ኣብ ትሑትን ማእኸላይን ቁጠባ ንዝርከባ ሃገራት ንምሕጋዝ ካብ ክፍሊት ነፅ ዝኾኑ ሰብ ሞያ ፣መሳርሕታት፣ ሎጂስቲካዊን ዓቅምን ንኽታበት ዝግበሩ ፃዕርታትን የቅ፟ርቡ ። እዞም ፃዕርታት ንምዕዋት ዝተፈላለዩ ማእከሎም ኣሜሪካ ዝገብሩን ካብ አሜሪካ ወፃኢ ዝርከቡ ዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ቀረባት ክታበት ይኹን ካልእ ምስኡ ተተሓሒዙ ዘድልዮ መርበባዊን ንክታበት ዝጥምት ምምሕዳራዊ ምዕባለ ብሓባር ይሰርሕ ።

ካልኣይ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣሰራርሓን ውፅኢቱ ንምክትታልን ዘኽእል መቆፅፅሪ ኮቪድ ፩፱ ምጅማሩ ዘሐጉስ እዩ ኢሎም ብሊንከን ። እዚ ድማ ኣብ ገፅ ጭዖቭዒዽ፩፱ጝሎባልጥራችከር።ኦርግ ዝርከብ ኮይኑ ብምትሕብባር ዓለም ለኸ ትካል ገንዘባዊ ሓገዝ (ዒምፍ) ፣ ትካል ጥዕና ዓለም ፣ ትካል ንግዲ ዓለም ፣ባንኪ ዓለምን ኣማዕ ኣማዕበልቲ ዓጭጥ ዝተፈጠረ እዩ ። ከምኡእውን ካብ መጠን ክታበት ጀሚሩ ንዒጭዑ ሓዊሱ ስጋብ ዓለምለካዊ ፣ ዞባውን ሃገራውን ቃል ዝተኣተወሎምን ዝተባፅሑን መድሓኒታት ሓበሬታ ዝርከቦ ዝኾነ ኣካል ክከታተሎን ከረጋግፅሉን ዝኽእል ገፅ ንኽከውን ቀፃላይ ምምሕያሻትን ዝግበረሉ እዩ ።

እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብዝኾነ ይኹን ከባቢን ኩነታትን ዝርከብ ኩሉ ሰብ ክታበት ክረክብ ኣለዎ። ኣሜሪካ ጆንሰንን ጆንሰን ምስ ኮቫክስ ሞንጎኛ ኮይና ብምዝርራብ ፈላማይ ክታበት ኮቪድ ጆንሰንን ጆንሰንን ኣብ ቀጠናታት ውግእን ካለእ ሰብኣዊ ፀገማትን ንዝርከቡ ሰባት ንኽባፅሕ አብ ስምምዕነት በፂሖም ይርከቡ ።

ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኸ ምህርትታት ክታበትን ኣድለይቲ ናውቲ ሕክምናን ኵስኽ ፣ ኣሜሪካ ንእትገብሮ ኩለመዳያዊ ሓገዛት ኣማዕቢላ ክትቅፅልን ከምኡእውን ድልዱል ፣ ጥሙርን ቀፃልነት ዘለዎ ቅርፂ ዝሓዘ ውፅኢታዎ ዓለምለኸ ደሕንነት ጥዕና ክህሉ ይግባእ ክብል እቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ኣኬባ ሚኒስተራት አተሓሳሲቡ ።

ኣሜሪካ እዚ ለበዳ ካብ ኩሉን ንምጥፋእ ምእንተ ኩሉ ሰብ እትገብሮ ምትሕብባርን ምክትታላት ሓደስቲ ፈጠራታት ኣበርቲዓ ክትቅፅል እያ ።

XS
SM
MD
LG