Accessibility links

Breaking News

ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም እስራኤልን ሕቡራት ኢማራትን


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ዝነበረ ዘይምስምማዓት ብምፍታሕ ታሪኻዊ ተግባር ፈጺሞም ይብል ።

ን25 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ርክብ እስራኤልን ሃገራት ዓረብን ንፈለማ እዋን ናብ ንቡር ዝመለሰ ስምምዕ እዩ ።እዚ ሕቡራት ሃገራት ኢማራት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ሰላም ካልኦት ሃገራት ዓረብ'ውን ክስዕብዎ ተስፋ ኣሎ ይብል።

እቲ ውዕል ኣብራሃም ተባሂሉ ዝተሰየመ ስምምዕ ሰላም: በቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝፍለጥ አብርሃም ዝተሰየመ እዩ ። ከምቲ ዝፍለጥ ይብል እቲ ሓተታ ኣብራሃም ኣቦ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰለስተ ዓበይቲ እምነታት 'ዩ ፤ ኣይሁድ፣ ክርስቲያንን እስልምናን ። ከም መብርሂ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ እስራኤል ዴቪድ ፍሬድማን “ልዕሊ ኣብራሃም ንሓድነት እዞም ሰለስተ ዓበይቲ እምነታት ዝውክል ሰብ የለን" ይብል።

ውዕል ኣብርሃም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ ኢየሳሌም ዝርከቡ መስጊድ ኣል ኦክሳ ኣትዮም ክጽልዩ ትምኒት ዝነበሮም ዓብዪ ታሕጓስ ዝፈጠረ እዩ። ኣብዚ እዋን ብቀ፟ጥታ ካብ ኣቡዳቢ ናብ ቴልኣቪቭ ክበሩ ይኽእሉ 'ዮም። በዚ ድማ ሰባት ብዓይኖም ርእዮም ነቲ ኣኽረርቲ ሓይልታት መስጊድ ኣል አክሳ ከምዝዓነወን ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብቲ ቅዱስ ክጽልዩ ቦታ ከምዘይኽእሉ ዘናፍስዎ ወረ ሓሶት ከፍሽል ዘኽእል እዩ ይብል ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2017 ናብ ማእከላይ ምብራቅ፟ ኣብ ዝገበርዎ ፈላማይ ዑደቶም ከምዝበልዎ: ጸገማት ማእከላይ ምብራቅ፟ ዝፍታሕ ህዝብታት ተኸተልቲ ኩሎም እምነታት ብሓባር ኮይኖም ኣንጻር ኣኽረርቲ እስልምና ብምቅላስ ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግቡ ክኽእሉ ከለዉ እዮም ኢሎም ምንባሮም እቲ ርእሰ ዓንቀጽ የዘኻኽር።

መቅ፟ጸልታ ናይዚ ስምምዕ ክልቲኤን ሃገራት ምኽፋት ኤምባሲታተንን ምሻም ኣምባሳደራተንን ፣ትምህርቲ፣ንግዲ፣ ጥዕናን ሓባራዊ ደሕንነትን ዝበሉ ንምትግባር ይሰርሑ ኣለዉ ተባሂሉ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ውዕል ኣብራሃም ተባሂሉ ዝተሰየመ ስምምዕ ፣ ንምምጻእ ሰላም እስራኤልን ፍልስጤምን እውን መሰረት ዘንበረ እዩ ተባሂሉ።

ራእይና ይብሉ ፕረዚደንት ትራምፕ “ ሓደ ዓይነት ሰላም ምዕባለን ደሕንነትን ኣብቲ ቀጠና ኢሉ 'ውን ኣብ ዓለም ምርግጋጽ 'ዩ ።ዕላማና ድማ ተግባራት ኣኽራርነት ዝጻባኣ ሕቡራት ሃገራት ብምፍጣር ንደቅና ኣምላኹ ዘኽብር ተስፋ ዘለዎ መጻኢ ምፍጣር እዩ ኢሎም ክብል እቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሓተትኡ ይዛዝም።

XS
SM
MD
LG