Accessibility links

Breaking News

ንማይ ጽሬትን ቀዳምነታት ምሃብ


ኣብ2015 ሕቡራት ሃገራት ውሑስ መጻኢ ንምፍጣር ብዝብል ዕላማ ፩፯ ዝተኣሳሰራ ዕላምታት ውሑስ ምዕበል 2030 ኣሚሙ ነይሩ።

ቍጽሪ 6 ካብተን 17 ዕላማታት ንውሑስን ጽሩይን ማይ ትምልከት’ያ። እዚ ድማ ውሑስ ዝስተ ማይ ንጽሬትን ጥዕናን ሓደ ሕብረተሰብ ወሳኒ ብምዃኑ’ዩ።

ብመሰረት ሓባራዊ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ)ን መጠን ተበጻሕነት ዝስተ ጽሩይ ማይ ብኣዝዩ ዘገመታዊ ጕዕዞ’ዩ ዝግስግ ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 2ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ጽሩይ ቀረባ ማይ ኣይረኽቡን። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ 2030’ውን ኣጸቢቕ ዝመሓየሽ ኣይመስልን።

ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ብመገዲ ትካል ዓለምለኸ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (ዑጽዓዒዽ) ኣቢሉ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእ ምስ በበይኖም መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ኣብ ምስራሕ ይርከብ። እቲ መደብ ነቲ ኣብ 2030 ክበጻሕ ዝተሓንጸጸ ዒላማ ንምውቃዕ’ዩ።

እቶም ኣብ 2030 ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረባት ጽሩይ ዝስተ ማይ ገና ክሳቐያ ምዃነን ዝግመታ 21 ሃገራት’የን።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ትካል ዓለምለኸ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ነተን ኣብ 2022 ብሰንኪ ስእነት ጽሩይ ዝስተ ማይን መሰረታዊ ጽሬትን ቀዳምነታት ክወሃበን ዘድልየን ሃገራት ዘርዚሩ ኣሎ። እቲ ትካል ምስ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ ምስ መንግስታት ዝተባህላ ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካልትን ክሰርሕ ምዃኑ የመልክት።

እተን ኣብ ወሳኒ ማሕንቖ ኣለዋ ተባሂለን ብትካል USAID ዝተዘርዘራ ሃገራት ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ናይጀሪያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኔፓል፡ ጋና፡ ጓቲማላ፡ ሀይቲ፡ ህንዲ፡ ኢንዶነዥያ፡ ኬንያ፡ ላይበርያ፡ ማድጋስካር፡ ማሊ፡ ሞዛምቢክ፡ ፊሊፒነስ፡ ርዋንዳ፡ ሴነጋል፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ዛምቢያን ታንዛኒያን ኢየን። ካልኦት ስትራተጃዊ ምትእስሳር ብምህላወን ቀዳምነት ዝወሃበን’ውን ጆርዳን፡ ሊባኖስ፡ ምዕራባዊ ገማግምን ወሽመጥን ቓዛ ይርከባ።

ኣብ 2017 ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝተኣወጀ ዓለምለኸ ዝምድና ማይ፡ ኣብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዕድመኡ ን15.5 ሚልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ጽሩይ ማይ ክረኽቡ ክሕግዝ እንከሎ፡ ን14.8 ሚልዮን ድማ ውሑስ ጽሬት ኣብ ምርካብ ሰሪሑ።

ውሑስ ዝስተ ማይን ጥዕናኡ ዝተሓለወ ኣካባቢን ብልጹግ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ወሳኒ’ዩ። ኣብ ማይን ጽሬትን ዝግበር ወፍሪ ድማ ዓጸፌታ ውጽኢት ዥብ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ምትግባር ክትሰርሕ ድሉውቲ ኢያ።

XS
SM
MD
LG