Accessibility links

Breaking News

ንምርቋሕ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት


መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንሓለቓ ስታፍ ሚኒስተሪ ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊልጶስ ወልደዮሃንስ፡ ምስ ኣብ ትግራይ ብመገዲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዝወረደ ግፍዒ ኣመልኪቱ ማዕቀብ ገይሩሉ ኣሎ። ብመሰረት ተዋሂቡ ዘሎ ውስነ፡ ጉዳይ ጀነራል ፊሊጶስ ብኣህጉራዊ ኣዋጅ ማግነቲስኪ ዓንቀጽ 13818 ክምርመር ዝውስን’ዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ኣዋጅ፡ ንሰብኣዊ ግፍዒን ብልሽውናን ኣመልኪቶም ብዜጋታት ወጻኢ ንዝተፈጸሙ በዳላት ዝምርምር’ዩ።

ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ጀነራል ፊሊጶስ እምበኣር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ቅትለት ሲቪላውያን ዜጋታት፡ ምብራስን ምርሳይን ውልቃዊ ንብረት ገይሮም’ዮም። ብመሰረት ሓበሬታ ተመዛበልቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ በደል ኣውሪዶም’ዮም። ንውሽጣውያን ተመዛበልቲ ናብ መንበሪታቶም ተመሊሶም ሰለማዊ ናብራኦም ከይገብሩ፡ ብወገን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ክልከላ ከም ዘጓነፎም’ውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ምምዝባልን ኣትሪሩ ይዅንን። ፈጸምቲ በደል ዝግበኦም ፍርዲ ክረኽቡ ድማ ይጽውዕ። ካልእ ንመንግስቲ ኣመሪካ ኣሰካፊ ጉዳይ ኰይኑ ዘሎ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ወጺኦም ድሕሪ ምጽናሖም፡ ብዙሓት ኣሃዱታት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ዳግም ንትግራይ ኣትየን ብምህላወን’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽን ንዅሉ ግዜን ካብ ትግራይ ክስሕቡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።

ብሊንክን ኣስዒቦም፡ እንከላይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ሓዊስካ፡ ኵላቶም ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዘውርዱዎ ዘለዉ ግፍዒ ደው ከብሉ፡ ረዲኤት ናብ ደላዪ ህዝቢ ክባጻሕ ዘይተገደበ መገዲ ክኸፍቱ፡ ንዂናት ደው ከብሉን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ከውሕሱን ጸዊዖም።

ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ጉዳይ ናይ ወጻኢ ሃብቲ ዝዀና ኣንድሪያ ጋኪ’ውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ፊሊጶስ ተወሲዱ ዘሎ ማዕቀብ፡ ኣመሪካ ግፍዒ እናተፈጸመ ስቕ ኢላ ከም ዘይትርኢ ምስክር’ዩ ኢለን። መንግስቲ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክስሕብ ድማ ጸዊዐን። ኵላቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ተጻብኦታት ኣቋሪጾም ኣብ ዝባን ጠርጴዛ ክዛተዩ’ውን ካልእ ምሕጽንታ እተን በዓልቲ-መዚ’ዩ።

ብሊንክን ብወገኖም፡ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ክሰርሑ ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG