Accessibility links

Breaking News

ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ከተናድይ ኣለዋ


ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንቀ፟ርኒ ኣፍሪካ ጄፍሪ ፌልትማን ንትካል ሰላም ኣሜሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ አብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግጭት በቲ ዘለዎ እንተቀ፟ፂሉ “ ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ፣ ሰላማዊን ህዱእን ርክብ ክልላት

ከምኡእውን ኢትዮጵያ ምስ ኣሜሪካን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዘለዋ ርክብ መዕነዋይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ ።” ክብሉ ኣጠንቂቆ፟ም ።

ንሶም ወሲኾም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ፓርትታት ሰፊሕ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ፈፂሞም እዮም ኢላ ኣሜሪካ ከምትኣምንእውን ሓቢሮም ።

“ ኣዝዮም ካብ ብዙሓት ፍልፍላት ሓበሬታ ዝተረኽቡ ብዛዕባ እዞም ግፍዕታትን ምንግልታዓታትን ዝሕብሩ ተኣመንቲ፣ ቀፃልነት ዘለዎም ሰነዳት ኣለዉና ። ስርቂ ፣ ምምዝባላት ፣ ቅትለት ፣ፀብፃባት ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮን ጥቅ፟ዓትን ኣብቲ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ፣ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ፣ ፍሉይ ሓይሊ አምሓራን ህወሓትን ዝተሳተፉሉ መሳርሒ ኲናት ኮይኑ ብዝተወሰነ መልክዑእውን እንተኾነ ብኹሎም ዝተፈፀመ ተግባር ኢዩ ።”

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) እቲ ጎንፂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ክጋፋሕ ዝገበሮ ኮይኑ ኣሜሪካ ህወሓት ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ክወፅእ ደጋጊማ ትፅውዕ ። ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዛትን ንግዳዊ ርክባት ክቋረፁን ክዕፀዉን ምግባሩ ኣብ ትግራይ ዓፀቦ ክኽሰት ከምዝኸኣለ ኣምባሳደር ፌልትማን ተዛሪቦም ።

“ መሰረታዊ ድልየታት ነቲ ሸውዓተ ሚልየን ዝኸውን በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ንምብፃሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘቀ፟መጦ ተነኣሰ 2000 ሓገዛት ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን ንወርሒ ከምዘድሊን ዛጊድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ 1100 ዓበይቲ መኻይን ጥራሕ ናብ ትግራይ ኣትየን ።”

ዝኾነ መንግስቲ መገዛ ዜጋታቱ ብጅምላ ንጥምየት ክሳጥሑ ዘግብር ስጉምቲን ልምድን ከተባብዕ ኣይግባእን ክብሉእውን ፊልትማን ተዛሪቦም ። ኣሜሪካ ንህይወት ኣድሕን ሓገዛት ቀዳምነት ብምሃብ ንሙሉእ ሰብኣዊ ሓገዛት ሓዊሱ ነዳዲ፣ ገንዘብን ኣድለይቲ ናውትን ኽባፅሑ ኩሉም ኢትዮጵያውያንን ተፃባእቲ ወገናትን ከፍቅዱ ደጋጊማ ተተሓሳሲንብ ። ብተወሳኺ አብ ትሕቲ እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ብፕረዚዳንት ባይደን ዝተፈረመ ምምሕዳራዊ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ቅልውላው ዘጋድዱን ምንቅስቃሳት ዘተዓናቅፉን ወገናት ተወሳኺ ኽልከላ ከተንብር ትዳሎ ምህላዋ ሓቢሮም ። ብመሰረት እቲ ምምሕዳራዊ ተእዛዝ እቲ ናይ መጀመርታ ክልከላ 12 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሹድሽተ ውልቀሰባትን ትካላትን ኤርትራ ተነቢሩ እዩ ። “ እዚ ድማ ንኹሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ዕላማ ዝገበረ እዩ” ክብሉ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣጠንቂቆም ።

ኣሜሪካ ኣብ መላእ እታ ሃገር ህድኣትን ምዕባለን ዓሲሉን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዓለምን ዝነበራ መሪሒነት ሒዛ ምርኣይ ከምትደሊ፤ እዚ ንምምፃእ ድማ መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣፅዋራቶም ኣቀ፟ሚጦም ብሰላም ሓቢሩ ከምብሮም ዝኽእል ቀመር ክእልሹ ይግባእ ።

XS
SM
MD
LG