Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ: ብብልሽውና ኣብ ዝተከሰሱ ሰለስተ ዜጋታት ፓራጓይ እገዳ ተንብር


ምምሕዳር ባይደን ሃሪስ ምኩናን ግዕዝይና ቀንዲ ድልየት ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ እዩ ኢሉ ይኣምን ። ብሙዃኑ ኣሜሪካ ኣንፃር ኣብ መላእ ዓለም ዝርክርቡ ገበነኛታት ፈፀምቲ ግዕዝይና ስጉምቲ ትወስድ ።

ንፈፀምቲ ተግባር ግዕዝይናን መዘዛቶምን ግቡእ ቅፅዓት ንምሃብን ፋይናንሳዊ ስርዓት ኣሜሪካ ካብ ሓደጋ ንምክልካልን ኣብ ክፍሊ ሃብቲ ኣታዊ ኣሜሪካ ንደጋዊ ሃብቲ ዝቆፃፀር (OFAC)አናተባህለ ዝፍለጥ ትካል ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ዚጋታት ፓራጓይ ክልከላ ኣምቢሩ ።ካስም መሓመድ ሂጃዚ፣ ኻሊል ኣሕመድ ሂጃዚን ሊዝ ፓኦላ ዶልደን ጎንዛሌዝ ዝበሃሉ ኣብ ፓራጓይ ኣብ ግዕዝይና ንዘለዎም ልዑል ግደ እዩ እቲ ክልከላ ተነቢሩሎም ከምኡ'ውን መስቶም ውልቀሰባት ርክብ ዘለዎም 5 ትካላት 'ውን ተኣጊደን ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን "መንግስቲ ኣሜሪካ ፓራጓይ ግዕዝይና ንምቅላስ እቲገብሮ ፃዕሪ ብምድጋፍ ትካላት መንግስቲ ንዝጉሕጉሑ ሰባት ተሓታትይነት ምዕሳል ንምትብባዕን ድልውቲ እያ "ኢሎም ።

ካስም መሓመድ ሂጃዚ ኣብ ውሽጢ ፓራጓይ ciudad del este ዝርከብ ኣብ ዓለም ለኽ ዘይሕጋዊ ምስጋር ገንዘብ ዝሰርሕ ትካል ዝውንን እዩ። ንሰበስልጣናት ጉቦ ብምሃብ ዝማዕበል ትካል ካስም ንኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላዝለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ትካላትን ንግዳዊ ስራሕትን መርበቡ ዘርጊሑ ይሰርሕ ።ተሓባባሪኡ ኻሊል ኣሕመድ ሂጃዚ ዝተባህለ ውልቀሰብ ድማ ንብልሹው ተግባራት ካሲም ብምድጋፍ ናውታዊ ሓገዝ ዘቅ፟ርበሉ ሙኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።

OFAC ኣብ ፓራጓይ ዝተመዝገቡ ኩባንያታት ኢስፖና ኢንፎርማቲካ ፣ ኢምሬንዲሜንትስ ኢምቦሊያሪዮስ ሚስዮናስ S.A ፣ኣፖሎ ኢንፎርማቲካ S.A ብኻሊል ዝውነን ትካል ክኸውን ከሎ ኣብ ፓራጓይ ዝተመዝገበ ካምፓኒ ኢንፎርማቲካ S.A ድማ ካስም ዝውንኖ ወይውን ዝቆፃፀሮ ትካል እዩ ። ሊዝ ፓኦላ ዶልዳን ጎንዛሌዝ ድማ ካብ ተሓባበርቲ ካሲም ሓንቲ ኾይና ስራሕቲ ብፅሒታ ከም ሞንጎኛ ኮይና እተገልግል እያ ። ኣብ ወደባት ፓራጓይ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ሰበስልጣናትን ጉምሩክን ጉቦ ብምሃብ ካብን ናብን ፓራጓይ ዛአትዉን ዝወፁን ስራሕቲ ከፈፅሙ ትድልሎም ። እቲ ኣብ ፓራጓይ ዝርከብ ናውቲ ኤለክትሮኒክስ ዘእቱን ዝሰድድን ትካላ ወየን እቲቆፃፀሮ ትካል ከእገድ ተወሲኑ እዩ ።

ብሙኳኑ ካስም ፣ኻሊልን ዶልዳንን ኣብ መላእ ዓለም ብኸቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፈፀምቲ ገበናት ግዕዝይናን ተባሂሎም ብመሰረት ዓለም ለኸ ማግኒትስኪ ተሓተቲ መሰላት ሰብኣውነት ተከሲሶም ክልከላታት ተነቢሩሎም እዩ ።ውፅኢት እዚ ክልከላ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ብሽም እዞም ውልቀሰባት ዝተሰየሙን ዝውነኑን ትካላትን ንብርታቶምን ኩሎም ተኣጊዶም እዮም ። አሜሪካውያን ዝኾነ ዓይነት ርክብን ስራሕን መስዞም ትካላት ክህልዎም ኣየፍቅድን ይብል እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ።

"እዚ ኣብ ትሕቲ ዓለምለኸ ሕጊ ማግነትስኪ ዝርከቡ መደባት ግዕዝይና ንምቅላስን ትካላት መንግስቲ ንዝጉሕጉሑ ሰበስልጣናት መንግስቲ ተሓተቲ ዝኾኑሉ መንገዲ ምዕባይ ኣድላዪ ሙኳኑ ዘርኢ እዩ ።" ዝበላ ዳይሬክተር OFAC ኣንድሪያ ጋኪ " መምርሒ ሃብቲ ኣታዊ ተዋሳእቲ እዚ ተግባርን ትካላቶምን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሕጊ ዝጥሕሱን ፋይናንሳዊ ስርዓት ዓለም ዝዘርጉን ንምቁፅፃር ዘለዎ ስልጣን ተጠቂሙ ምቅላሱ ክቅ፟ፅል እዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG