ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ሎ እውን ኣዝዩ ሻቅሎት ዝፈጥር ስግኣት ኮይኑ ምቅፃሉ እቲ ኣብ ሞቃድሾ ሆቴል ሃያት ዝተፈፀመ ዘስካሕኽሕሓደጋ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ወኪል ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሪቻርድ ሚልስ ተዛሪቦም።
"ሶማል ትመርሖ ኣልሽባብ ንምስዓር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምድጋፍ ኣሜሪካ ሎሚ እውን ውሳነኣ ፅኑዕ እዩ። ሃገራዊ ሓይሊታት ሶማል ኣልሸባብ ካብ ክልል ሂራን ንኽወስፅእ ብዘካየድዎ ዕዉት መጥቃዕቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ክንብሎም ንፈቱ። ግብረ ሽበራ ንምቅላስ ኩሉ ዘሎ መሳርሕታት ክንጥቀም ኢና፤ እዚድማ ነቲ መቅ፟ፃዕቲ ስርዓት ሶማልያ 751 ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ንኣልሸባብ ዘተሓባብሩ ስጉምቲ ስጋብ ምውሳድ ዝሓወሰ ይኸውን። ካልኦት ኣባል ሃገራትእውን ከምኡ ክገብራ ኢና ንምሕፀን።"
ንምስረታ መንግስቲ ሶማል ኣመልኪታ ሓጎሳ እትገልፅ ኣሜሪካ ንመፃኢ ብሓንሳብ ንምስራሕን ዘለዉ ብድሆታት ብሓባር ንምእላይን ትፅቢት ትገብር። ዛጊድ ንሶማል ኣብ ዝተገብሩ ሰብኣዊ ምትሕብባራት እቲ ዝለዓለ ሓገዝ ትገብር ብሕታዊት ሃገር ኣሜሪካ ነቲ ቅድሚሎም ተራእዩ ዘይፈልጥ ንልዕሊ 7 ሚልየን ህዝቢ ንሓደጋ ውሕስና መግቢ ዘሳጥሐ ሓደጋ ድርቂ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ውሳነኣ ትርከብ ክብሉ ኣምባሳደር ሪቻርድ ሚልስ ተዛሪቦም።
"ኣብ ዝቅፅል ወርሒ መጠን ሓደጋ እቲ ጥምየት ከብፀሖ ዝኽእል ሓደጋ ኣመልኪቱ ዝወፀ ትንበያ ኩላትና ኣትሪርና ክንሓስበሉ ዝገበረ ፃውዒት እዩ። ኣሜሪካ ነቲ ቅድሚሎም ተራእዩ ዝይፈልጥ ሓደጋ ድርቂ ሶማል ማልሽ ንምሃብ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ እያ። ከምኡእውን ኣሜሪካ ዝለዓለት ደጋፊት ሕዝቢ ሶማሊያ እያ። ብሙዃኑ ኣብ ምዕሳል ዴሞክራሲያዊን ሓባራዊ ምዕባለ ክልቲአን ሃገራትን ብሓባር ምስራሕና ክንቅፅል ኢና። "