Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ንዲሞክራሲያዊ ድልየት ህዝቢ ቬንዝዋላ ደገፋ ትቕጽል


ኣሜሪካ ዴሞክራሲያዊ ድልየት ህዝብታት ቬንዙዌላ ንምዕዋት ትገብሮ ሓገዝ ቀፂላትሉ ትርከብ ክብሉ ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ተዛሪቦም።

“ኣብ ቬንዙዋላ ብዴሞክራስያዊ መልክዑ ንእተመርፀ ትካል ጥራሕ ምድጋፍና ሎሚ'ውን ቀፂልናሉ ንርከብ። ንሱ'ውን እቲ ኣብ 2015 እተመረፀ ሃገራዊ ባይቶ እዩ።

ኣባላቱ ድማ ዴሞክራስያዊ ድልየታት ህዝቢ ቬንዙዋላ ኣብ ልቦም ዝሰነቁ፟ እዮም።” ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብተቓዋሚ ፓርቲ ዝምራሕ ሃገራዊ ባይቶ ስልጣን እቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከብቅዕ ኣድሚፁ እዩ።

እቶም ዴሞክራስያውያን ተቃወምቲ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስን ሰብኣዊ ቅልውላው ቬንዙዋላ ንኸብቅዕን ዋላ'ውን ጭቆናዊ ኣገዛዝኣ ማዱሮ ኣብ ቐፀለሉ እዋን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ንንእድ ትምኒትን ድልየታትን ህዝብታት ቬንዙዋላ ብዝፈቅ፟ዶ ቅልውላው ንዙዌላ ንምፍታሕን ነፃን ፍትሓውን መረፃ ኽካየድ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር ብሙኻን ምስራሕና ክንቅፅል ኢና

ኣሜሪካ ኣብ ቀንዲ ጥቕምታት ዘድሃበ ምስ ስርዓት ማዱሮ ዘለዋ ርክባ ሎሚ’ውን ቀፂላትሉ ትርከብ።

ምስ ኒኮላስ ማዱሮ ብዛዕባ ዘለና ርክብ ብዝምልከት ዝተቀ፟የረ ነገር የለን። ብህዝቢ ዝተመረፀ መራሒ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ 2015 ዝተመትፀ ሃገራዊ ባይቶ ኢና ኣፍልጦ ንህብ።

ህዝቢ ቬንዙዋላ ዴሞክራሲያዊ ድልየታቱ ክዕወቱ ኣብ ዝገብሮ ተስፋ ተሞርኪስና ኣካይዳ ስርዓት ማዱሮ ክንዕዘቦ ከለና ከምቲ ክንብሎ ዝፀናሕና ብፕሮግራም ማዕቀብና ኣቢልና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ማዱሮ ፀቕጢ ምንባርና ክንቅፅል ከምዘለና እዩ።

ውሃቢቃል ኔድ ፕራይስ ነቲ ኣብ 2022 ወርሒ ሕዳር ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ሞንጎ ስርዓት ማዱሮን ልኡኻት ሕብረት ተቓወምቲ ዝተኻየዱ መድረኻት ዘተ “እወንታዊ ምንቅስቓስ” ክብሉ ንኢዶሞ። ስለዝኾነ ድማ ዴሞክራስያዊ ድልየታት ህዝቢ ቬንዙዌላ ንምግሃድ ምምሕያሻት ክንርኢ ንደሊ ኢና ኢሎም። ብሙኻኑ ኣሜሪካ ምስቲ ናይ 2015 ሃገራዊ ባይቶን ካልኦት ኣብ ቬንዙዌላ ዝርከቡ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዴሞክራሳውያን ተዋሳእቲ ሓይሊታት “ድልየታት ዴሞክራሲ፣ ልዕልና ስርዓት ሕግን ኣብ ሃገሮም ምዕባለ ክሰፍንን ህዝቢ ቬንዙዋላ ንዘለዎም ትምኒት ንምድጋፍ ምስ ዝሰርሑ ምትሕብባራ ክትቅፅል እያ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG