Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ከተማ ናይሮቢ ነበር እገዳ ተንብር


ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ኣመሓዳሪ ናይሮቢ ንዝነበሩ ማይክ ሶንኮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ብልሽውና ንዝነበሮም ልዑል ተሳትፎ ኣመልኪታ ክልከላ ኣምቢራትሎም ። ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ኣብቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም ከምዝበልዎ ፕሮጀክትታት መንግስቲ ምስኦም ርክብ ንዘለዎም ብምሃብ ተኻፋላይ ጥቅ፟ሚ ብሙዃን ዝፈፀምዎ ዘይሕጋዊ ተግባር ሙዃኑ ገሊፆም። “ተግባራቶም ንልዕልና ሕጊ ካብ ምጥሓሱ ብተወሳኺ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲዊ ትካላትን ኣፍፃፅመኦምን ጥርጣረ ከሕድር ዝገበር እዩ “ ክብሉ ፅሒፎም ።

ኣብቲ ክልከላ ንበዓልቲ ቤቶም ፕሪምሮዝ ምቡቪ ፣ ክልተ ደቂኣንስትዮ ደቆም ሳሙንን ሳልማን ምቡቪን ንሕንጦይ ወዶም ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ናይ ቀረባ ስድራ ሶንኮ እዩ ።

እቲ ክልከላ ኣብ ፳፪፩ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝምድናታት ወፃኢን ዝኣምሰሉ መደባትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦም ዓንቀፃት ትሕቲ ንኡስ ዓንቀፅ ፸፫፩(ች) ተባሂሉ ዝፍለጥ ንሶንኮን ስድርኡን ናብ ኣሜሪካ ንኸይኣትዉ ዝኸልከለ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ንኬንያ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ ሪፖርት ከምዝገለፆ ኣብ ኬንያ ዓበይቲ ፍፃመታት ግዕዝይና “ብሰንኪ ናይ ዘይምኽሳስ መሰል” ኣብ ኩሎም ብርክታት ስልጣን መንግስቲ ስለዝጥቀሙ ዓብዪ ፀገም ኮይኑ ምቅ፟ፃሉ ኣይተርፍን ። ማይክ ሶንኮ ኣብ ፳፩፱ ብዝፈፀምዎም ዝተፈላለዩ ገበናት ግዕዝይናን ተኸሲሶም ኣብ ፳፳ ኣመሓዳሪ ናይሮቢ ካብ ዝነበረ ስልጣኖም ዝተላዕሉ ኮይኖም ስጋብ ሐዚ ግን ናብ ሕጊ ኣይቀረቡን ።

ከም ሓበሬታ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣብ ግዕዝይና ጥሒለን ካብ ዝርከባ ፩፹ ሃገራት ኬንያ መበል ፩፪፰ ከምዝሰርዓን ኬንያውያን ኣብያተ ፍትሒ ሃገሮም አብ ልዕሊ ብልሽውና ብዘርእዮ ምዝሕታላት ስግኣቶም ክዛይድ ከምዝገበሮ እዩ ዝገልፅ ።

ፕሬዝዳንት ባይደን ግዕዝይና ምክልኻል ቀንዲ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሙዃኑ ግልፂ ገይሮሞ እዮም ። ዋይት ሃዉስ “ግዕዝይና ልክዕ ኣብ ኣካላት ማሕበረሰብ ከምዘሎ ሕማም ካንሰር እዩ” ይብል ። እምነት ህዝቢን መንግስቲ ንዜጋታትቱ ናይምግልጋ ዓቅ፟ሚን በሊዑ ጥርሑ ዘትርፍ ሕማም እዩ ፣ ማሕበራዊ ፣ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላውን ኣፈላላይ መደባትን ክዛይድ ይገብር ንግዳዊ ፣ ከባቢያዊን ቁጠባውን ዕድላት ብምትዕንቃ፟ፍ ጎንፂ ክቅ፟ስቀስን ኣብ መንግስቲ እምነት ንኸየሕድርን ይገብር ኢሉ እዩ ኣብቲ ብፅሑፍ ዘውፀኦ መግለፂ ።ወሲኹ እቶም ንውልቀ ጥቅ፟ሞም ክብሉ ስልጣኖም ተጠቂ፟ሞም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈሩ ሰባት ቁሳዊ ሃብቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ክብርን ደሕንነትን ደቂሰባትውን እዮም ሰሪቆም ።” ኢሉ ።

ውሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ማይክ ሶንኮን ናይ ቀረባ ስድረኦምን ዝተነብረ ክልከላ “ ኣሚሪካ ግዕዝይና ንምቅላስን ልዕልና ሕጊ ብምድጋፍ ዴሞክራስያውያን ትካላት ኬንያ ንምጥንኻር ዘለዎ ልዑል ውሳነ ደጊሙ ዘረጋገፀሉ እዩ። ዓለም ለኸ ኮነ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ገበነኛታት ግዕዝይና ተሓታታይነት ንምምዕባል ኩሉ ዓይነት መሳርሕታት ምጥቃምና ክንቅፅል ኢና ።ኢሎም

XS
SM
MD
LG