Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝረአ ውጥረት ሻቕሎታ ትገልጽ


ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ሱዳንን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን / ምንቅስቓስ ተቓወምቲን ወይ SPLM-IO ብዝብል መፀውዒ ዝፍለጡ ኣብ ላዕለዋይ ግዝኣት ናይል እተላዕለ ግጭት ሓዊሱ ከምዘተሓሳሰባ ትገልፅ ። ተፃባእቲ ዝነበሩ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምክትል ፕሬዝዳንት ሪክ ማቻርን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐፀለ ውግእ ሕድሕድ ንኸብቅዕ ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ተግባራዊ ንምግባር ተቓሊሶም እዮም ።

ወሃብ ቃል መንግስቲ ኔድ ፕራይስ "ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትሕቲ እቲ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ንዘለዉ ግዴታቶም ምሉእ ብምሉእ ከተግብሩ" ፀዊዖም ። SPLM-IO “ብዘይ ገለ ምኽንያት” በቲ ካልእ ወገን “ ብናይ ሰላም መዛትይቱ “ ኣብ ልዕሊኡ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ካብቲ መስርሕ ሰላም ንርእሱ ከምዘግለለ ክገልፅ ከሎ ። ወሃቢ ቃል ፕራይስ ድማ SPLM-IO ነዚ ውሳነ እዚ ብቕልጡፍ ክመልሶ ፀዊዖም ። ብተመሳሳሊ " ንምቁራጽ ተዅሲ ዝቆፃፀሩ ኣካላት ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተፈጸመ መጥቃዕቲ መርሚሮም ገበነኛታት ተሓተትቲ ክገብሮም ኣለዎ" 'ውን ኢሎም ።

ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ኪርን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ማቻርን ነቲ ኣብ መንጎኦም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ንኸይጋደድ ነቲ ንነዊሕ እዋን እንታተጓተተ ተደናጒዩ ዝጸንሐ ዝተመሓየሸ ስምምዕ ሰላም ደጊሞም ክትግብሩዎን ከምኡውን ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ንምሕንፃፅ ኣድላዪ ዝዀነ መስርሕ ንምቛም ኣድላዪ ሕግታትን ሜላ ትግበራ ምርጫን ንምጥያሽ ከምኡውን ሓሳብ ናይ ምግላፅ ናፅነት ማሕበራትን ሰላማዊ ኣኼባታትን ናይምክያድ መሰል ክኽበር ትፅውዕ ።

ኣመሓደርቲ ክልላታን ትካላትን ከምኡ'ውን ሰበ ስልጣናት ልምዓታዊ በይነ-መንግስታዊ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን እቲ መስርሕ ሰላም ናብ ትግባርኡ ንምምላስ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም ።

ወሃብ ቃል ፕራይስ ፡ " ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኩሎም ወገናት 'ዮም ሓላፍነት ዝወስዱ" ኢሎም ። "ፕረዚደንት ኪር ኮነ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ነቲ ዝተሓደሰ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ብቅንዕና ፃዕሪ አይገበሩን ፣ ክልቲኦም ከኣ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ቀ፟ፃልነት ዝጠልቦም ሰላም ፣ ጸጥታን ምዕባለን ኣብ ዶቡብ ሱዳን ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪን ዕንቅፋት ክኾኑ ፀኒሖም እዩም ። ።"

ኣሜሪካ ንኹሎም ኣባላት ናይቲ ከምብሓዱሽ ተነቃ፟ቂ፟ኢሑ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ተኣመንቲ ኮይኖም ንምቅ፟ራብ ሙሉእ ብሙሉእ ስምምዕ ሰላም 2018 ካብ ምትግባር ጀሚሮም ክውሰድ ዝግበኦ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ ክትብል ፀዊዓ ።

XS
SM
MD
LG