Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ኣንጻር ፕረ ፑቲንን ደገፍቶምን ተወሳኺ ስጉምቲ ወሲዳ


ኣሜሪካ ምስ መሻርኽቲን መሓዙት ሃገራትን ብምትሕብባር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንዝፈፀመቶ ምኽንያት አልቦን ዘይፍትሓውን ወራር ስዒቡ ኣንፃር ፕሬዝዳንት ፑቲንን ደገፍቶምን ዝዓለመ ተወሳኺ ስጉምቲ ወሲዳ።

ሚኒስተር ገንዘብ ኣሜሪካ ምስ ጉጅለ 7 ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ 27 ሰነ ንኢንዱስትሪያላዊ መሰረት ምክልኻል ሩስያ ሮስቴክ ከም ኣገላልፃ ትካል ገንዘብ ኣሜሪካ “ እምነ ኩርናዕ ሓይሊ ምክልኻል ሩስያ ዝኾነ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ክፍሊ ምህርትታትን” ሓዊሱ ከምኡእውን ኣብ ልዕሊ 29 ሩስያውያን ውልቀሰባት ክልከላ ምንባሩ ኣፍሊጡ ።

ሚኒስትር ገንዘባዊ ትካል ጀነት የለን ከምዝበለኦ እእኢንዱስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዕላማ ዝተገብረሉ ዓቅ፟ሚ ፑቲን ዝሃስን ተወሳኺ ኣንፃር ዩክሬን ዘካይዶ ውግእ ብዝነበሮ ሕማቅ፟ ስነ፡ምግባር፣ ዝተሰብረ ሰንሰለታዊ ቀረብን ሎጂስቲካዊ ዕንወታትን ንኸየንሳእርር ዕንቅፋት ንምፍጣር እዩ።እእ

ትካል ገንዘብ አሜሪካ ወሲኹ ምስ ካናዳ፣ እንግሊዝን ጃፓንን ብሙዃን ወርቂ ሩስያ ናብ ሃገረን ንኸይኣቱ ምኽልካለን አፍሊጡ። ፌዴሬሽን ሩስያ እቲ ዝዓበየ ዘይፀዓታዊ ሰደድ እቲገብሮ ሃብታ እዩ።

እዞም ስጉምትታት ሚኒስትር ገንዘብ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ብምትሕብባር ዝተወስዱ ኮይኖም ኣብ 45 ትካላትን 29 ውልቀ ሰባትን ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ መቅ፟ፅዒ 14024 ዝተነብረ ክልከላ እዩ።

እዞም ማዕቀብ ዝተገብረሎም ኣብ ዩክሬን ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፣ ጅምላዊ ቅትለታት ፣ ማህረምቲ ዝይተዓጥቁ ሲቪላውያንን ዕንወታት ገዛውትን ምውፋሮም ብጭቡጥ መረዳእታ ዝተረጋገፀ ንእሙናት ወተሃደራዊ ክፍልታት ሩስያ ዝሓወሰ እዩ።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ፌደራላዊ ኣገልግሎት ፀጥታ ፌደሬሽን ሩስያ (FSB) ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ መፃረይ ካምፕታት ብምጥያሽ ዜጋታት ዩክሬን ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተወሲዶም ኣብ ሩስያ ዝተቆ፟ፃፀረቶም ከባቢታት ወይውን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ክዓቁ፟ቡን ምግባሩን፣ነዊሕን ከቢድ መርመራታትን ዝዓለመ ተግባር ምፍፃሙ ተሓታታይ ይገብሮ።

ከምኡእውን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ውሑዳት ዘይበሃሉ ኣካላት ሓይሊ ምክልኻል ፌዴሬሽን ሩስያ ዝኾኑ ትካላት ተሓተቲ ብምግባር ኣብ ልዕሊ 511 ሩስያውያን ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ዶብን ዩክሬን ብምድፋር ፣ ብምፍርራሕን ተሓተቲ ንዝኾኑን ከምኡእውን ምስኣቶም ርክብ አለዎም ዝበልዎም ን18 ሩስያውያን ክልከላ ቪዛ ኣምቢሩ ።

ኣብ ዝሓለፉ እዋንት አሜሪካን መሓዙታን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ ክልከላን ናይ ሰደድ ምቁፅፃርን ድሮ ዝዓበየ ፀቅ፟ጢ ክፈጥር ጀሚሩ እዩ። ብርክት ዝበላ ኩባንያታት ዓለም ካብታ ሃገር ወፂኦም እዮም ።ሩስያ ካብ ደገ እተእትዎም ኣቁ፟ሑ ብ 40% ወሪዱ እዩ፣ ፋብሪካታት ምህርትታቶም ንምቅ፟ፃል ኣብ መፃብቦ ይርከቡ፣ ዝቅ፟ባበ ቁ፟ጠባኣ ብ 20% ኵስኽ ከሎ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክፍለዘመ ንፈለማ እዋን ሩስያ ሃገራዊ ዕዳኣ አይከፈለትን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ኣሜሪካ ምስ መሻርኽታን መሓዙታን ብሙዃን ድልየት ውግእ እትቅ፟ፅለሉ እንተኾይና ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ ክልከላታት ምንባራ ክትቅፅል እያእእ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG