Accessibility links

Breaking News

ኣሜሪካ ንሓይልታት ብIRGC-QODS ዝፍለጥ እስላማዊ ሰውራዊ ምትሕብባርን ዒላማ ትገብር


ከም ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው እዩ። የመን ቅድሚ እቲ ካብ 2015 ጀሚሩ እንዳተጋደደ ዝመፀ ጎንፂ'ውን እንተኾነ ድኻ ዝነበረት ሃገር እያ ። ይኹን እምበር ኣብ መንጎ ብኢራን ዝምወሉን ዝተባብዑን ዕጡቓት ሑቲን ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ መንግስቲ የመንን ሓይልታቱን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዓብዪ ዕንወት የብፅሕ ኣሎ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔኦ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ " ኢራን ንዕጡቓት ሑቲንብእትገብሮ ሓገዝ ኣብ የመን ዘሎ ጎንፂ ንኽጋደድን ዘይምርግጋእን እታ ሃገር ድማ ክቅፅል ይገብሮ'ሎ።" ነቲ ሓገዝ ዘተሓባብሮ ኣብ ኢራን ብረታዊ ተቃላሳይ እስላማዊ ሓይልታት ዝኾነ ካድስ ፎርስ ዝበሃል (IRGC-QF) እዩ ። እዚ ኢራናውያን ኣሸበርትን ዓመፅትን ንምሕጋዝ ዝጥቀምሉ ስሩዕ ሓይሊ'ዩ ። ታሕሳስ 8 ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓመፅቲ ሑቲ ሰንዓ ወኪላ ገይራ ዝለኣኸቶ በዓል ስልጣን IRGC-QF ዝኾነ ሓሰን ኣርሉ ሙኻኒ ኣሜሪካ ፈሊጣ ኣላ ። መምርሒ አታዊን ወጻኢን ሃብቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽ ኦ መግለፂ "ኢራን ኣብ ዓለም ንዕጡቓት ሑቲ ኣፍልጦ ብምሃብ ወኪላ ዝለኣኸት ብሕታዊት ሃገር እያ " ይብል ። ሓሰን ኣርሉ ንዕጡቓት ሑቲ ኣዝዩ ዘመናዊን ዝረቀቀ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ኣፅዋራትን ዓቅሞም ዘዕብይሉ ስልጠናን ብምሃብ ፃዕርታት IRGC-QF ዝድግፍን ዝነበረ እዩ ። ከምኡ'ውን ምስቲ ቅድም ኢሉ ኣዛዚ IRGC-QF ዝነበረ ቃሲም ሱሌማኒ ስጡም ርክብ ዝነበሮን ኣብ ኢራን ዝነበሩ ኣባላት ሂዝቦላ'ውን ዘሰልጥን ዝነበረ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔዮ: ሓሰን ኣርሉ ናብ የመን ምልኣኽ ማለት ይብሉ IRGC-QF ንዕጡቓት ሑቲ ዝገብሮ ሓገዝ ሓይሉ ብምቅፃል ነቲ ማሕበረሰብ ዓለም ንዓዓቶም ንምስምማዕ ዝገበሮ ፃዕሪ ዝያዳ ክተሓላለኽን ንኸይትግበርን ዝካየድ ፃዕራ ንምቅፃል ምዃኑ ዘመላኽት 'ዩ ። ኣሜሪካ ግን ይብሉ ፓምፔዮ "ክልቲኦም የመናውያን ንምስምማዕን ስምምዕነት ተኹሲ ጠጠው ምባል ስጋብ ዝበፅሑ ብምትሕብባርን ፖለቲካዊ ምርግጋኣት ብምፍጣር እቲገብሮ ሓገዝ ከምእትቅፅል ተዛሪቦም እዩም።ከምኡ'ውን መሰረቱ ኢራን ዝገበረ ዓለምለኸ ዩኒቨርሲቲ ኣልሞስጦፋ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ኣብዝርከቡ ጨንፈራቱ ናይ IRGC-QF መመልመሊ ረቋሒታት ንምትሕብባራት ዝሰመየቶ ትውልዱ ፓኪስታናዊ ዝኾነ ዮሰፍ ዓሊ ሙፋጅ 'ውን ኣብ ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቅን መጥቓዕቲ ንምብፃሕ ብIRGC-QF ዝወፁ ትልምታት ንንምትግባርን ዝሳተፍ ዘሎ ምዃኑ ማዕቀብ ተገይርሉ እዩ ። ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔዮ "IRGC-QF ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ንዝፍጠሩ ናእሽቱ ጎንፅታት ብምጉህሃር ተጠቃዕቲ ንዝኾኑ ውልቀ ሰባት ብምትእኽኻብ ድማ ንስርዓት ኢራን ወኪሎም ክቃለሱን መፈፀምቲ መዕነዋይ ኣጀንዳታቶምን ክኾኑ ይሰርዑዎም ኢሎም እዮም።

ኣሜሪካ ኩሎም ዓይነት መንገድታትን መሳርሕታትን ብምጥቃም እዚ እኩይ ባሕርያቶም ብምግላፅን ምቅዋምን ከምእትቅፅል ተዛሪቦም እዮም ።

XS
SM
MD
LG