Accessibility links

Breaking News

ኣሜሪካ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝረ አ ዘሎ ማእሰርቲ ትኹንን


ኣብ ሆንግ ኮንግ ሓዱሽ ብዝወፀ ሕጊ ፀጥታን ካልኦት መምርሕታትን ስዒቡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይግዕዙ ዘለዉ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ቁፅሮም ይውስኽ ኣሎ ክብል እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ሓተትኡ ዝጀመረ ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ከም ብሓድሽ ዝተጀመረ ማህሰይትን ማእሰርትን ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ብዝገብሮ ዘሎ መሰል ርእሰ ውሳነ ሆንግ ኮንግ ንምፍርራስን ከምኡ'ውን ጭካነ ዝተመልኦን ንመሰል ደቂሰባት ክብሪ ዘይብሉን ምዃኑ ዘርኢ እዩ ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ሾመንተ ተሓለቕቲ ዲሞክራሲ ፖለቲካ ንሓሙሽተ ኣባላት ኣፈፀምቲ ሕጊ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ብሰበ ስልጣናት ሆንግ ኮንግ ተአሲሮም እዮም ። ከም ሓበሬቲ ፖሊስ እዞም ዝተኣሰሩ ሰባት ነቲ ኣብ ግንበት 8 ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ነተን ቀንዲ ኮሚቴ መን ይቆፃፀረን ንዝብል ንምምርማር ዝዓለመ እዩ ይብል።

“ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ብዘልዓልዎ ሕቶ ምኽንያት ብምግባር ዝተአሰሩ ኣፈፀምቲ ሕጊ ንፖለቲካዊ ጥቅሚ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ምጥሓስ መሰል እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፔ ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ወሲኾም እዚ ብምምሕዳር ሆንግ ኮንግ ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ መሰል ፣ ምፍርራሓትን ዓፈናን ኣባላት ተሓለቕቲ ዲሞክራሲን ኮይኑ ነቲ ምስ ውልቀ መላኺ ኮሚኒስት ቻይና ዘለዎም ዝተሓላለኸን ኣዚዩ ስጡምን ዝኾነ ርክብ ዘርኢ እዩ ኢሎም እዮም ።

XS
SM
MD
LG