Accessibility links

Breaking News

ኣርባዕተ ጠንቅታት ጥምየት ኣብ ኣፍሪቃ


"ሎሚ ኩሉ ዓይነት ዘመናዊ መሳርሕታት ኣብ ኢድና እናሃለወና እውን ስጋብ ሎሚ ካብ ዝረአኹዎም እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ምግቢ ኣጋጢሙና ይርከብ ኣብ አፍሪካ ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ ምግቢ ዝሳቀ፟" ኢለን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ።

"ቅልውላው ምግቢ ማለት ወልዲ ንደቆም ዝቅ፟ርብሎም ዝብላዕ ምግቢ የብሎምን ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ህፃውንቲ ቆልዑ አብ ትምህርቶም ዕዉታት ንኽኾኑ ዝሕግዞም ክረኽብዎ ዝግባእ ዝተመጣጠነ ምግቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን ማለት እዩ። ብኻልእ ኣገላልፃ ድማ ጥምየት ማለት እዩ። ጥምየት ድማ ሞት ማለት እዩ።"

ንሰን ወሲኸን “ ነዚ ድማ እዩ ጥምየት ንምጥፋእ ቆራፅነት ክህልወና ዝግባእ” እዚ ንምግባር ድማ ፈለማ እቲ ቀንዲ ቅልውላው ምግቢ ንኸጓንፍ ዝገብሮ ዘሎ እንታይ እዩ ኢልና ካብ መሰረቱ ክንፍትሾ ይግባእ ኢለን።

"ኣነ ኣርባዕተ ቅሉዓት ምኽንያታት ይረኣዩኒ። ሓደ “#’’ ን ሰለስተ “C”ን ብዝብሉ ናይ እንግሊዘኛ ስያመታት ድማ ይፅወዖም። ንሳቶም ድማ ነዳዲ፣ ኩነታት ከባቢ ኣየር፣ ኮቪድ19ን ጎንፅታትን እዮም።"

“ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ እዩ ዝከይድ ዘሎ” ነዳዲ ድማ ንመስርሕ ምህርቲ ምግቢ ዘገልግል ብሙዃኑ ምኽባር ነዳዲ ማለት ዋጋ ምህርታት መግቢ'ውን ክኸብር ይገብሮ ማለት እዩ። ካልእ እታ ፈላመይቲ ‘C’ ንከባቢያዊ ኣየር(Climate Change) ትውክል እያ" ይብላ ኣምባሳደር ሊንዳ ግሪን ፊልድ።

"ቅልውላው ከባቢያዊ ኣየር ማለት ተፈጥሮኣዊ ቅ፟ልውላው ዝፈጥሮ ዕንወት፣ ከም ሓደጋ ውሕጅ፣ ማዕበላትን ከቢድ ዋዕን ዝበሉ ሳዕቤናት እዮም ።ይኩንእምበር ብቀ፟ጥታ ቅልውላው ምግቢ ንኽስዕብ ዝመርሕ እዩ።"

ከም ኣገላልፃ እተን ኣምባሳደር እቲ ካልኣይ ‘C’ ንኮቪድ19 ዝውክል እዩ።

“ ኮቪድ 19 ኣብ ሓፂር ግዘ ተወሳኺ ካልእ ስምባደ ዝፈጠረ ጉዳይ እዩ። ቅድሚ ኮቪድ ፻ ሚልዮን ዝነበረ በዝሒ ብቅልውላው መግቢ ዝተጠቅ፟ዑ ሰባት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግና እቲ ቁፅሪ ናብ ልዕሊ 190 ሚልዮን ክዓቢ ክኢሉ እዩ” ኢለን። ሳልሳይ ‘’ድማ እቲ ዝዓበየ ሰላሕታዊ መበገሲ ጥምየት እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ይብላ ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ “ ጎንፂ ዝመበገሲኡ ጥምየት ኮነ ተባሂሉ ዝፍጠር ኮይኑ ከም መስርሕ ውግእ ኮይኑ ዘገልግል እዩ።”

“ኩሎም እዞም ፀገማት ማለትእውን ነዳዲ፣ ኩነታት ከባቢ ኣየር፣ ኮቪድን ጎንፅታትን ብሓንሳብ ተጣሚሮም ነቲ ኣብ ህይወትና ኣጋጢሙና ዝርከብ ዝኸፍአ ቅልውላው ጥምየት ከጋንፍ ምኽንያት ኮይኖም እዮም።” ኢለን ኣምባሳደር ግሪንፊርልድ

ኣብ መወዳእታ ጎንፅታት ብዝፈጠርዎ ጥምየት ሰባት መረበቶም ሓዲጎም ክስደዱ ስለ ይገብሮም ንጎረባብቲ ሃገራት ድማ ኣብ ስርዓት ምግበን ፃዕቂ ንኽፍጠር ይገብ ኢለን ። ብሙኳኑ ነዚ ንምእላይ ልዕሊ 127ሚልየን ዶላር ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዛት ክወሃቦም ምኳኑ ኣፍሊጠን ።

እዚ ሓገዝ ንዕቁ፟ባ ሓተቲ፣ ስደተኛታት፣ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ፣ ሃገር ንዘይብሎምን ንኹሎም ካብ መረበታቶም ንዝተመዛበሉ ኣብ ኣፍሪካ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝውዕል ሙዃኑ እየን ገሊፀን።

“ሐዚ እዩ እቲ እዋን ምስ መንግስታት፣ ኣብ ሞንጎ ሃገራትን ሰባትን ጥምየት ጠጠው ክብል ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ኣብዚ ሰዓት እዩ ኢለን። ምስ ሲቪል ማሕበረሰብ፣ ትካላት ውልቀ፣ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታቶም(ዳያስፖራ) ንምትብባዕን ኣብ ሓደስቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዝሐሸ ቴክኒካዊ ኣፈፃፅማታትን ብምጥቃም ስርዓት መግቢን ትልሚ መፃኢ ንምሕንፃፅን ግዚኡ ሐዚ እዩ ኢለን።

XS
SM
MD
LG