Accessibility links

Breaking News

ኣብ ምዕራብ ክልል ትግራይ ናይ ጅምላ ግፍዒታት ምፍጻሞም ጸብጻባት ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምዕራባዊ ዞባ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ዝፈፀምዎ ብሰነድ ዝተደገፈ ግፍዕታት ዝገልፅ ፀብፃብ ብተኸታታሊ ድሕሪ ምቅ፟ራቡ ኣሜሪካ ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠረላ ትገልፅ ። እቶም ፀብፃባት መብዛሕቲኦም ሂውማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኣብ ዘዳለዉዎ ሓባራዊ ፀብፃብ ዝተሰነዱ እዮም ።

ውሃቢ ቃ፟ል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ብፍላይ '' ኢሎም '' እቲ ተግባር ምፅናት ዓሌት ዝዓለመ ከምዝነበረ እቲ ዝተረኽበ ፀብፃብ ምርግጋፁ ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡና ይርከብ " ኢሎም።

ኣብቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዘዳለዉዎ ፀብፃብ ሓደሽቲ ሹመኛታት ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከምኡ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ሰበስልጣን'ቲ ክልልን ሓይልታት ፀጥታን ኣብቲ ምፅናት ዓሌትን ከምኡ' ውን ገበናት ኲናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ይገልፅ ።

እዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ናብዚ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ተወለድቲ ትግራይ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ደምዲሙ ።

ወሃቢ ቃል ፕራይስ "ሐዚ'ውን ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ዝሕብሩ ፀብፃባት ይስምዑ ።

እቶም ስጋብ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ እሱራት ብቅ፟ልጡፍክፍትሑ ንምሕፀን ከምኡ'ውን ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ናብ ኩሉ ማእከላት እቶም ቤት-ማእሰርቲ ክኣትዉ ፍቓድ ክህቦም ንፅውዕ" ኢሉ ።

ፕራይስ “እቲ ጎንፂ ንምፍታሕ ዝኾነ ይኹን ወገን ንዚፍፅሞ ግፍዒ ዘተኣማምን ምርመራታትን ተሓታትነትን ከም ዘድልዮ እምነትና እዩ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ውን ምስ ኮምሽን ተመራመርቲ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ክተሓባበር ነተሓሳስብ ።”ኢሎም ።

ነቲ ግፍዒ ተሞርኲሶም ዝወፁ ፀብፃባት ዘርእይዎ እቲ ወተሃደራዊ ግጭት ብቅ፟ልጡፍ ጠጠው ክብል ከምዝግበኦ ዘጉልሁ እዮም ።

ኣሜሪካ እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝግበር ዘሎ ተፃብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ትድግፍ ነዚ ስዒቡ ድማ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን ክኣትዋ ምጅማረን ከምዘሐጎሳ ትገልፅ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣሜሪካ ሐዚ'ውን ኩሎም ዕጡቃ፟ት ሓይልታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፃትን ጠጠው ከብልዎ ከምኡ'ውን ኩሎም ሓይልታት ደገ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹን ሰበስልጣናት ክልል ድማንሓይልታት ፀጥተኦም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ከውፅእዎም ደጊማ ትፅውዕ ።

ወሃብ ቃል ፕራይስ "ኩሎም ወገናት ተፃብኦታት ጠጠው ኣቢሎም ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኵነት ሰባኣዊ ሓገዛት ዝባፅሐሉ ባይታ ከመዓራርዩን ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ብኹሎም ተዋሳእቲ ኣካላት ዝተፈፀመ ተግባር ጥሕሰት መሰላትን ከምኡ 'ውን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭት ስምምዕነታዊ ፍታሕ ክግበረሉ" ፃውዒት ኣቅ፟ሪቦም ።

XS
SM
MD
LG