ኣብ 2017 ኣብ ዒራቅን ሶርያን ብዝገጠሞ ሽንፈት ደረተይ ዝበሎም ከባቢታት ምምንዝዑ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታቱን ተዋጋእቱን ብሞት ድሕሪ ምስኣኑ ንሰለስተ ዓመት ከካይዶ ዝፀንሐ ውግእ ዘህደአ ISIS ወይድማ ዳዕሽ እናተባህለ ዝፍለጥ ጉጅለ ግብረሽበራ ከምብሓዱሽ ብምትእኽኻብ ልዕልና ጥፍኣቱ ንምስፋሕ ይፍትን ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ ሪፖርት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ዘነፃፀረ ከቢድ ስግኣት ከምዘሎ እዩ። ዳዒሽ ንምስፍሕፋሕ ይገብሮ ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ኣብ ማእከላይ ፣ ደቡባዊን ምዕራባዊን ከባቢታት እታ ኣህጉር ጠሚቱ ይሰርሕ ምህላዉ ይሕብር።
እዚ ጉጅለ ግብረሽበራ ዞባዊ ማእከላት ዘጣየሸ ኮይኑ ኣብ ሙሉእ ኣፍሪካ ዘይምርግጋኣት ክፍጠር ይሰርሕ ኣሎ። ቅድም ክብል ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ኣንፃር ግብረሽበራዊ ፕሮግራም ዝነበሩን ኣብእዚ እዋን ላዕለዋይ ተመራማሪ ፀጥታዊ ጉዳያት ዝኾኑ ማርቲን ኢዊ ከምዝበልዎ ድሮእኳ ከባቢ 20 ሃገራት ኣፍሪካ ግዳያት ክኾና ከለዋ ልዕሊ 20 ዝኾና ካልኦት ድማ መተኣኻኸቢ ሎጂስቲካዊን ገንዘባዊ ሓገዛትን ኮይነን የገልግላ ኣለዋ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኣፍሪካ ማእከል ምንቅስቃሳት ዳዕሽ ጥራሕ ዘይኮነጽ ንመፃኢ ቀንዲ ግዝኣት ከሊፌይት ( ኣስላማዊ መንግስቲ) ክትከውን ትኽእል እያ ክብሉ የጠንቅቁ፟።
ዳዕሽ ወይድማ ISIS ካብ ከም ዴሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ዝበላ ብተፈጥሮኣዊ ሓብቲ ዝኻዕበታ ሃገራት ሃብትታተን ብምምዝማዝ ንመዕነዋይ ምንቅስቃሳቱ ገንዘባዊ ኣታዊ ዝረኸበሉን ንርእሱ ዘስፋሕፈሐሉን ዝበለፀ ምችዊ ከባቢ ኣይክህሉን።
“ISISን ካልኦትን ጎንፂ፣ ውድቀት ምምሕዳር ኣብ ዝገጠመን ፣ፖለቲካዊ ቅልውላውን ቁጠባዊ ዘይምምዕርራያት ኣብ ዘለወን ሃገራት ነቶም ዝተማረሩብምትእኽኻብ ደገፍቶምን ምንጪ ኣታዊኦም ክኾኑ ብምስሓብ ከምኡእውን ሽብራዊ መጥቃዕትታት ንምቅስቃስን ምፍፃምን ቀፂሎምሉ ይርከቡ ክብሉ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፍሉይ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣሜሪካ ጄፍሪ ዴሎሬንቲስ ተዛቦም። ከምቲ ኣብ ፀብፃብ ዋና ፀሓፊ ዝተገልፀ ኣብ ኣፍሪካ ስግኣታት ግብረሽበራውያን እናወሰኸ ምምፅኡ ከምዘተሓሳሰቦ ገሊፆም።
"ምስ ISISን ኣልቃዒዳን ርክብ ዘለዎም ሓይሊታት ኣብ ኣፍሪካ ንነዊሕ እዋን ዝዘለቁ ጎንፅታት ግብረእከይ ተግባራቶም ንምፍፃምን ንርእሶም ምጥንኻርን ምጥቃሞም ቀፂሎምሉ ይርከቡ እዚ ድማ ዝለዓለ ሓደጋ ሞት የስዕብ ኣሎ። እቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝርከብን ብመጠኑ እናዓበየ ዝመፀን ሓደገኛ ጉጅለን ካብቲ ቀንዲ ዞባ ወፃኢ ምስ ዒጽዒጽ ዝዓበየ ርክብ ዘለዎ ብሙዃኑ ፍሉይ ጠመተ ክግበረሉ ይግባእ።እእ
"ማሕበረሰብ ዓለም ነዞም ግብረሽበራዊያን ጉጅለታት ተሓባበርቶምን ዘተኣማምን መኸወሊ ቦታ ንኸይረኽቡ ቃልሱ ምቅ፟ፃሉ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ።ዝበሉ ኣምባሳደር ዴሎሬንቲስ እእ ኣሜሪካ ንአፍሪካውያን መሻርኽትና ምንቅስቃሳት ዒጽዒጽን ኣልቃዒዳን ዥውኽን ዘበሳብስን ኣንፃር ግብረሽበራዊ ምትሕብባራት፣ ግብረሽበራዊነት ንምክልኻል ዘኽእል ምኽባር ሕግን ሰፊሕ ምላሽ ዝሕብ ኣገልግሎት ፀጥታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሙኳኑ ተዛሪቦም እቶም ኣምባሳደር። “ዋና ፀሓፊ ኣብ ሪፖርቶም ዘቅረብዎ ንልዑል ምትእታዋት ዒጽዒጽን ስግኣታቱን ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ብምብጋስ ነቲ ስግኣት ምላሽ ንምሃብ ኩላትና ምትሕብባራትና ኣሐይልና ሚዛናዊ ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ክንነጥፍ ይግባእ።”