Accessibility links

Breaking News

ኣብ ክልል ትግራይ ዝረኣ ዘሎ ምዕባለታት


ብኽልቲኡ ወገን መዕነዋይን ዓምፅ ዝተመልኦን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ኣብ ሞንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወይድማ ሕወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተፃብኦ ንሓዋሩ ጠጠው ንምባል ኣብዝሓለፈ ሕዳር ውዕሊ ተፈራሪሞም እዮም።

ካብቲ እዋን ጀሚሮም ክልቲኦም ፈረምቲ ወገናት እቲ ስምምዕነት ብዝሓቶም ብዘይዕንቅፋት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ምብፃሕን ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን ምምላስን፣ንህወሓት ዕጥቂ ምፍታሕን ካብ ሓይሊታት ፌደራል ወፃኢ ኩሎም ሓይሊታት ደገን ዘይ ፊደራላውያን ሓይልታትን ካብ ትግራይ ክወፁ ዝፅውዕ ተግባር ቀስብቀስ ይፍፀም ኣሎ። ከምኡ'ውን እቲ ስምምዕነት ንኹሉ ዘሳተፈን ዝሓቆፈን ሃገራዊ መሰጋገሪ መስርሕ ፍትሒ ክጣየሽ'ውን ይፅውዕ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኣገልግሎት ቴሌፎንን ናብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ክልል ትግራይ መሊሱ። ሰብኣዊ ሓገዛት ድማ ናብታ ክልል ክኣቱ ጀሚሩ፣ ኣብ መፋርቅ ጥሪ ህወሓት ንከም ታንክታትን ተወንጨፍቲ ሮኬታትን ዝበሉ ከበድቲ ኣፅዋሩ ንሕብረት ኣፍሪካ ኣረኪቡ፣ሓይሊታት ኤርትራ ድማ ብግዲኦም ካብቲ ንኣዋርሕ ሒዞሞ ዝፀንሑ ዓበይቲ ከተማታትን ከባብታትን ትግራይ ወፂኦም ዶ ብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለዉ።

አሜሪካ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪካ ዝመርሖ መስርሕ ከምትድግፍ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተበፅሐ ቁልፊ ባእታታት ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ምትግባርን ፃሊ ርጉእ ምዕባለ ኣብምፍጣርን ከምኡውን ኣወንታዊ ሓባራዊ ምክትታል ምርግጋፅን ምኽባርን ሕብረት ኣፍሪካ ንንእድ

ንሶም ወሲኾም “ሓይሊታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወፁ ምጅማሮም ፈሊጥና ኣለና። ከምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተኻየደ ዘተ ዝብሎ ኩሎም ደጋውያን ሓይሊታት ከወፁ ንፅወ ኢሎም።

ምውፃእ ሓይሊታት ኤርትራ ኮኑ ካልኦት ዘላቂ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታውን ውሑስ ግዛኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ

ኣሜሪካ ትግባረ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም 2 ሕዳር ንምዕዋት ዝግበር ፃዕሪ ምድጋፋ ሎሚ'ውን ኣበርቲዓ ትቅፅል። እዚ ድማ ዓለም ለኸ ተጣበቅ፟ቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ብዂናት ዝተሃሰዩ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ንምብፃሕ ምፍቃድ ዝሓውስ ኮይኑ ዋላ'ኳ ሐዚ'ውን ብዙሕ ዝተርፍ ስራሕ እንተሎ'ኳ ዛጊድ ዘሎ ምዕባለ ግን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ተስፋ ዝህብ እዩ።

XS
SM
MD
LG