Accessibility links

Breaking News

እገዳ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ግፍዒታት


ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ብሩስያ ዝድገፉ ጉጅለ ዋግነር ስግረ ሃገራዊ ናይ ገበን ትካል ዝሕገዝ ወተሃደራዊ ሓይሊ ማሊ ናብታ ኣብ ማእከላይ ማሊ ዞባ ሞፕቲ እትርከብ ቁሸት ሞውራ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝፀንሐ ኣንፃር ግብረ-ሽበራ ዝብልዎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣካይዶም። ኣብቲ እዋን ብውሑዱ 500 ሰባት ሞይቶም። ፀብፃባት ከምዝሕብርዎ መስካሕካሕቲ ስቓያት ምፍፃሞምን ብውሕዱ 58 ደቂ ኣንስትይን ኣዋልድን ንዓመፅ ሓዊሱ ፆታዊ መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ ይገልፁ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉምበት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንኣመራርሓታት ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፋ ክልተ ኣሃዱታት ማሊ ክልከላ ቪዛ ኣምቢሩሎም። ኣዛዚ ኮማንዶ ሬጅሚን 33 ዝነበረ ኮሎሜል ሞስጦፋ ሳንጋረ ኣብቲ እዋን ግዚያዊ ኣዛዚ ቦጦሎሚ ፍሉይ ሓይሊ ዝነበረ ማጆር ላሲን ቶጎላ እዮም። ነዞም ክልተ ሰባት ኣብ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምስታፎም ብመሰረት ሕጊ ምደባ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስርሒታት ወፃኢን ዝተኣሳሰሩ መደባትን ዓንቀፅ 7031(c) ክልከላ ኣምቢሩሎም እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ቤት ፅሕፈት ፍትሕን ምቁፅፃር ኣብ ደገ ዝርከብ ሃብቲ ወይ ድማ OFAC ንመራሕን ቀንዲ ኣመሓዳርን ነቲ ኣብ ማሊ ዝርከብ ንኡሳት ጉጅለታት ኣሃዱ ዋግነር ዝኾነ ኢቫን ኣኬክሳንድሮቪች ማህስሎፍ ንዝፈፀሞ ተግባርን ኣብቲ ብሽም እቲ ጉጅለን ብትእዛዝ 14024 ከሲሱዎ ይርከብ።

ማስሎፍ ነቲ ናይ ማሊ ጨንፈር ንምምራሕ ብየቨግኒ ቪክቶሮቪች ፕሪጎዝሂን ቫለርየቪች ኡትኩንን ዝተፀርሐ ኮይኑ ክልቲኦም ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዋግነርን ቀንዲ መስረቱን እዮም። ቅድም ክብል ክልቲኦም ንኣሜሪካ ሓዊሱ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካናዳን ክልከላ ዝተነብረሎም እዮም። ማስሎቭ ከም መጠን ቀንዲ መራሕን ኣዋፋርን እቲ ጉጅለ ኾይኑ ኣብ ማሊ ምስ መንግስታዊ ኣመራርሓታት ማሊ ብቐረባ ይሰርሕ። ምስ ፕሪጎዝሂንን ሰበስልጣናት መንግስቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ኣኼባታት ብምድላው ናይቲ ጉጅለ ተግባር ኣብቲ ዞባ ንምስፋሕ ይሰርሕ።

ኣብ ሚኒስትር ፋይናንስ ዋና ፀሓፊ ግብረ ሽበራን ፋናንሳዊ ስለያን ዝኾኑ ብራያን ኔልሰን ከምዝበልዎ “ሚኒስትር ፋይናንስ ኣንፃር ወኪል ጉጅለ ዋግነር ዘምበሮ ክልከላ ንዓለም ለኻዊ ንጥፈታት እቲ ጉጅለ ዝግበረሉ ሓገዝን ቁልፉ ኣተሓባባርትን ፈልዩ ንኸለልን ይገብር። ነቲ ጉጅለ ናብ ከባቢኣን ንኽኣቱን ሓይሊታቱ ንኸዋፍርን ንዘፍቅዳ ሃገራት ምርግጋእ ከባቢአን ዝዘርግን ግዝኣታዊ ልዕልነአን ዝጥሕስን እዩ”ኢሎም።

XS
SM
MD
LG