Accessibility links

Breaking News

ዓለምለኸ ሽልማት ተብዓት ደቂ ኣንስትዮ


ናይ ሎም ዓመት ዓለም ለኸ ሽልማት ተብዓት ደቂ ኣንስትዮ ን21 ደቂ ኣንስትዮ ተዋሂቡ ኣሎ። ካብኣተን እተን 7 ኣብ ኣፍጋኒስታን ዒላማ ብዝኾናሉ መጥቃዕቲ ዝተቀትላ እየን።

ኣብ’ቲ ብቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝተካየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ብቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ተሰንዮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ‘ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ንሰላም፣ ንፍትሒ፣ ንሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ማዕርነትን ብምሕላቅ ፍሉይ ጥንካረን መሪሕነትን ኣብ ዙርያ ዓለም ንዘርአያ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ለኸ ሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ን15 ዓመታት ሂቡ እዩ’ ኢሎም።

ካብ ሞንጎ’ተን ነቲ ሽልማት ክብሪ ዝተዋሃባ ማልያ ከላስንካቫ ካብ ቤላሩስ’ያ። ንሳን ብጾታን ነቲ ን26 ዓመታት ዝጸንሐ ኣገዛዝኣ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ንዝተካየደ ታሪኻዊ ብድሆ ብምብራኽ ብትብዓት ነቲ ድሕረ’ቲ ዘሰሓሓበ ምርጫ ዘጋጠማ ማእሰርቲ ብትብዓት ገጢማቶ እያ።

ፋዮ ፋይ ኡንግ ከኣ ኣብ በርማ ከም መሪሕ ዝተቀልቀለት ጓለንስተይቲ እያ። ማሕበራ፣ ኢንስትትዩት ዊንግስ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት፣ ጉጅለታት፣ ነገድቲን ሃይማኖትን፣ ህንጸት ሰላምን ዕርቂን ንምትብባዕ ዘሳልጥ እዩ።

ካልእ ተዓዋቲት ሽልማት፣ ካሜሩናዊት ማኪስሚለን ነጎ ኤምባ እያ። ሰብኣዊ መሰላት ብምስጓም ኣብ መንጎ ተዋሳእቲ ሲቪል ማሕበረ ሰባት ድምጻ ብምስማዕ ብዙሕ ሳዕ ክሳብ ውልቃዊ ደሕነታን ብምውፋይ ንሰላማዊ ፍታሕ ውግእ ሕድ ሕድ ካሜሩን ዝደፍአት እያ።

ቻይናዊት ዋንግ ዩ ካኣ ንተሓለቅቲ ብምክልኻል ክሳብ ንማእሰርቲ ዝተጋጠመት ሓንቲ ካብቶም ፍሉጣት ጠበቃታት ሰብኣዊ መሰላት እያ።

ጂአያን ሉሳብገ ካኣ ኣንጻር ጾታ መሰረት ዝገበረ ህውከት ኣብ ምቅላስ መሪሕ ጓለንስተይቲ ተሓላቂት ካብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ እያ።

ካልኦት ተሸለምቲ ካብ ኮሎምቢያ ማየሪለስ ኢንግራታ፣ ካብ ጓቲማላ ዳኛ ኤሪካ አይፈን፣ ካብ ኢራን ሾህረን ባያታ፣ ካብ ኔፓል ሙስካን ካሃቱን፣ ካብ ሶማልያ ዛህራ መሓመድ ኣሕመድ፣ ካብ ስጳኝ ሲስተር አሊሳ ሻካስ፣ ካብ ሽሪላንካ ራንቲሃ ጋምራጃህ፣ ካብ ቱርኪ ካናኣን ጉሊሉ፣ ካብ ቬንዙዌላ ካኣ ሮሳሮ ካንተራን እየን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብልንክን ኣብ’ቲ መደረኦም ‘አንስትን ኣዋልድን እየን መብዛህትኡ ጊዜ ንመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣዝየን ተኣፈፍቲ ዝኾና’ ኢሎም።

ስለዚ ኻኣ’ዩ፣ ማዕረ መሰላትን ክብሪን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ቀዳምነት ፖሊሲ ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝኾነ። መሰላትን ድልየትን ኣንስትን ኣዋልድን ኣብ ኣእምሮና ብምግባር፣ ፖሊሲ ወጻኢና ምስ እንሕንጽጽ እዩ ፖሊሲና ዝያዳ ውጽኢታዊ፣ ዝያዳ ሰብኣዊን ዝያዳ ኣብ ህይወት ሰባት ዘላቂ ለውጢ ዘምጽእ።

ነተን ተዓወቲ እቲ ሽልማት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካኣ ‘ንዓለምና ዝያዳ ፍትሓዊን ዝተረጋገአትን፣ ሰላማዊትን ነጻን ትገብራኣ ኣለኽን። ዩናይትስ ስቴትስ ኣብ ጎንኽን ብምዃን ትሕበን’ ኢሎም ኣንተንይ ብልንክን ክብል ናይ ሎሚ ርእሰ ዓንቀጽ ይድምድም።

XS
SM
MD
LG