ታሕሳስ 10 ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት እያ። ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 1948 ሓፈሻዊ ጉባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ፈላማይ ዓለም ለኻዊ ዘይገሃሱ መሰላት ደቂ ሰባት ዝፀደላ ዕለት ንምዝካር ዝተመርፀት እያ።
ካልኣይ ውግእ ዓለም ካብዝውዳእ ሰለስተ ዓመት ሓሊፍዎ እዃ እንተነበረ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ህዝቢ ዝወረዱ ዘስካሕክሑ ገበናት ምኽንያት ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዛዕብኡ ንኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ቀዳምነት ሂቡ ሰሪዑዎ እዩ።
ኣብ መወዳእታ መግለፂኡ ድማ ከምቲ ኣብ መፈለምታ ዓንቀፁ ብግልፂ ተገሊፁ ዝርከብ ኩሎም ደቂ ሰባት ማዕረ ኮይኖም ከም ምውላዶም፣ ማዕረ ክብርን መሰልን ከምዘለዎም ዘተሓሳሰበ እዩ። እቲ ኣብ 1950 ዝወፀ መግለፂ ንምዕባለ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን መትከልን ዘተባብዐ ኮይኑ እዩ።
ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ካብ 1950 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ እዋን ሓዱሽ ንዝነበረ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝረኸቦ ኣገዳሲ ዓወት ንምዝካር ዓሊሙ ፲ ታሕሳስ በቢዓመቱ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኮይና ክትክበር ።
ኣብታ ዕለት ሽልማት ኖቤል ሰላም ነቲ ናይቲ ዓመት ሰዓራይ ክወሃብን ከምኡእውን በቢዓመቱ ዝተፈላለዩ መዳያት ሰብኣዊ መሰላት ብምልዓል ይኽበር። ሎሚዘበን “ክብሪ፣ ናፅነትን ፍትሕን ንኹሉ” ዝብል መሪሕ ቴማ ሒዙ ይርከብ ኣሎ።
ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ ቀረባ ንመበገሲ ተፈጥራኣዊ መሰረት እዚ ሰነድ ኣመልኪቶም ከምዝበልዎ “ (ኣድማሳዊ መግለፂ ሰብኣዊ መሰላት) ሰባት ብዛዕባ መንነቶም ኮነ ካበይ ይምፅኡ ወይውን ንመን ይፈትዉ ብዘየገድስ ነቲ ኣብ ኩሎም ሰባት ውሽጢ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ሓርነትን ብዘይከልካሊ ዘረጋግፅ ክኸውን ኣለዎ ። እዚ ብዛዕባ ሓቂ ዝእውጅ ሰነድ መብዛሕትኡ ግዘ ዕሽሽ ክበሃል ወይውን ክዝንጋዕ እዩ ዝረአ፤ ማለትውን ኩሎም ደቂ ሰባት ናፃ ኮይኖም ከም ምውላዶም ንኽብርን መሰላቶም እውን ማዕረ ሙዃኖም እዩ ዝሕብር። ካብዚ ኣድማሳዊ ሓሳብ ብምብጋስ ከም መጠን መሰረት ሰላምን ፍትሕን፤ ማዕርነትን ክብርን ኩሉ ሰብ ንምድንፋዕ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ውዑላት ናይምቅያርን ዓለም ለኸ ቆራፅነትን ክህሉ ገይሩ” ኢሎም።
ፕሬዝዳንት ባይደን ወሲኾም “ ብብርኪ ዓለም ነዚ ሸቶ ንምስኻዕ ገና ይተርፈና እዩ። ነዚ ታሪኻዊን ኣድማሳዊ ዓንቀፅ ሰብኣዊ መሰላት ዘነፀሮም ስነ፡ምግባራዊ ስርዓታትን ዝሓዘ ናብ ፍትሒ ዝቀረበ ተግባር ንምዕዋት እንገብሮ ፃዕሪ ኣበርቲዕና ክንቅፅል ይግባእ”ኢሎም።
“ ልክዕ ከምቲ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍልጦ ንኽረክብ ንጣበቆ ዝነብርና ሎሚእውን ኣሜሪካ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ሰባት ኣብ መትከላ ፀኒዓ ትርከብ። እዚ ድማ መሪሒነትና ብሓይልና ንምርግጋፅ ዘይኮነስ ኣብነታውያን ብሙኻን ብእንጥቀሞም መርኣያዊ ሓይልና እዩ መሪሕነትና ነረጋግፅ።