Accessibility links

Breaking News

ደቡብ ሱዳን መንገዳ ትቕይረሉ ጊዜ'ዩ


ቅድሚ 10 ዓመት ደብብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተገንፂሎም ሃገር ክምስርቱ መረፁ ፤ ልዑል ሓጎስን ተስፋን ተፀምቢሎም ድማ 9 ሓምለ 2011 ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ዓለምና ተወልደት ።

ይኹን'ምበር እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓጎስ ብዙሕ ከይፀንሐ ኣብ መብዛሕቲኤን ሃገራት ምብራቅ፟ ኣፍሪካ ተስፋ ናብ ዘቁ፟ርፅ ኩነታት ተለዊጡ ።ምኽንያቱ ድማ ኣብ 2013 ኣብ ሞንጎ ፕሬዝዳንት ሳልቫኪርን ምኽትሎም ሪክ ማቼርን ንሕንሕ ስልጣን ዘበገሶ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ናብ ኲናት ሕድሕድ ዓብዩ ። ኣብ 2018 እቲ ኲናት ሕድሕድ ብስምምዕ ሰላም ክፍታሕ ተገበረ ።ይኹን 'ምበር ስጋብ ሐዚ ጥቅ፟ዓት ሙሉእ ብሙሉእ ኣየቋረፀን ።ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ለካቲት ንደቡብ ሱዳን ዝምልከት ዘውፀኦ ፀብፃብ ከምዘርእዮ ቅልውላው እናተጋስደደ ይኸይድ ምህላዉ እዩ።

ትሮይካ እናተባህለ ዝፍለጥ መግለፂ ስሉሳት ሃገራት ዩናይትድ ስቴትስ ፣ እንግሊዝን ኖርዌይን ከምዝበሎ ታሪኽ ፈላሞት 10 ዓመታት እዛ ንእስቲ ሃገር ከምዘርእዮ ስቃይ ዝዛየዶ ፣ ንጎንፅታት ስዒቦም ስቃይ ፣ጥምየት ፣ ተፈጥሮኣዊ ኩነታት ዝፈጠሮ ሓደጋ ውሕጅን ሕማምን ዝተጋደዱላ ሃገር ምንባሩ ዘርኢ እዋን እዩ ነይሩ ። ብሙዃኑ ትሮይካ ብቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዛት ክባፅሑ ፣ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳናውያንን ንዐዖም ዝሕግዙ ሰብኣውያንን ዝወርድ ዘሎ ጥቅዓት ጠጠው ክብል ፀዊዖም ።(ኣን 2018ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ) ዉሑዳት ዜጋ እታ ሃገር ተጠቀምቲ ሙዃኖም ተራእዩ እዩ።

ብኻልእ መግለፂ ኣመሓዳሪት USAID ሳማንታ ፓወር ከምዝበለኦ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሰናይ ፍቃድ ዓለም፣ ሃብቲ ኣታዊ ነዳዲን ካልኦት መወዳእታ ዘይብሎም መነባብሮ 12 ሚልየን ህዝቦም ክልውጡሎም ዝኽእሉ ዝነበሩ ዕድላት ኣባኺኖም 'ዮም ። ኣብዚ እዋን ካብቲ በዝሒ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን እቲ ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ቅድሚ ሐዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥምየት ከቢድ ጥምየት ተሳጢሑ ይርከብ ። ብተወሳኺ 3.8 ሚልየን ሳልሳይ ኢድ በዝሒ ህዝቢ ካብ ከባቢኡተመዛቢሉ ይርከብ ። 2.2 ሚልየን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዕቁ፟ባ ክሓትት ከሎ 1።6 ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መንበሪ ከባቢኡ ተመዛቢሉ ይርከብ ።

ትሮይካን ኣመሓዳሪት USAID ሰማንታ ፓወር መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዜጋታት ከገልግልን መራሕቲ ንህዝቦም ቀዳምነት ክህቡ ይግባእ ክብሉ ትሮይካን ኣመሓዳሪት USAID ፓወርን ተዛሪቦም። ጎንፅታት ጠጠው ክብሉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ሰላማዊ ፣ ተኣማንን ንኹሉ ዘሳተፈን መረፃ ንምክያድ ቅድመ ምድላዋት ብዕሙቀት ክጅምሩ ይግባእ ። ዝተዋደዱ ሓይልታት ክፍጠሩ ይግባእ፤ ሙሉእ ብሙሉእ ፍትሒ ዘረጋግፁ ሜላታት ስግግር ክምስረቱ ይግባእ ፤ ወሰንቲ መመሓየሺ ፋይናንስ ብቅ፟ልጡፍ ክሳለጡ ይግባእ ።

ደቡብ ሱዳናውያን ካልእ ሓዱሽ 10 ዓመት ኣብ ዝJምሩሉ እዋን "ትሮይካ በቲ ስጋብ ሐዚ ዝተረኽቡ ምዕባለታት ብሓጎስ ይቅ፟በሎም ይኹን 'ምበር እቶም ፈረምቲ ሃገራት ነቲ ዝኣተዉዎ ስምምዕ ብዝተኻእለ ቅልጣፈን ዕሙቀትን ቃሎም ከኽብሩ የተሓሳስቡ።

"መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ዝፈረሙዎም ስምምዓት ሰላም፣ ከምኡ እቲ ቅድሚ ናፅነቶም ምርካቦም ዝቃለስሉ ዝነበሩ ዕላማ ሃገር ናይ ምምስራት ሕልሞም ከቢድ ስራሕ ዝጅመረሉ እዋን'ዩ" ክብላ ፓወር ወሲኸን ገሊፀን ።

XS
SM
MD
LG