Accessibility links

Breaking News

ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ዓመተ 2022


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓመት ዝገበርዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ 2022 ካብ ዝተፈፀሙ ዲፕሎማሲያዊ ኣሳልጦታት ነቶም ኣርባዕተ ብሉፃት ዓወታት ዝበልዎም ኣብሪሆም። ፈለማ ኣሜሪካ “ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ውግእ ስትራቴጂካዊ ውድቀት ምንባሩ ንምርግጋፅ ንዓለም ምትሕብባራ” ገሊፆም።

"ካብ 24ለካቲት ኣትሒዝና ህዝቢ ዩክረይን ንዲሞክራሲ፣ ሉዓላውነትን ናጽነትን ሃገሮም ክጣበቑ ከለዉ ብዙሓት ደገፍትናን መሻርኽትናን ብምትእኽኻብ ኣብ ፀጥታዊ፣ ቍጠባውን ሰብኣዊ ሓገዛት ክተሓባበሩ ገይርና ኢና። ካብ’ዚ ሓባራዊ ደገፋትና ብተወሳኺ 1.65 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ብምግባር ዩክሬናውያን ተቓለስቲ ህዝቦም ናፃ ንምውፃእን ግዝኣታቶም መሊሶም ንምቁፅፃርን ኣብዝገብርዎ ውግእ ዓብላላይ መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ሓጊዝዎም እዩ።"

ካልኣይ ዕምስ መሻርኽትናን መሓዙትናን ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሪፓብሊክ ቻይና ስትራተጅያዊ ምትሕብባር ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲድና ኢናዕ ኢሎም ብሊንከን።

ዕኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ነቲ ብህዝባዎ ሪፐብሊክ ቻይና ዝተኸፍተና ብድሆ ንምስጋር ስትራተጂና ሓንፂፅና ኣብ መሰረት ብርታዐ ውሽጢ ቤትና ዝኾኑ ኢንቨስትመንትና ብምውፋር ምስ መሓዙትናን መሻርኽትናን ብምስምማዕ ረብሓታትና ምሕላውን መፃኢ ራእይና ንምግሃድን ምስ ቻይን ንናሓናሕ።”


ካብዚ ብተወሳኺ ኣሜሪካን መሻርኽታን ኣብ ገማግም ባሕሪ ታይዋን ሰላምን ርግኣትን ንምዕሳል ኣብ ዝገበርዎ ፃዕሪ ሓድነቶም ፀኒዑ ከም ዝቅ፟ፅልን ከምኡእውን ነቲ ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሺንጂያንግን ቲበትን ዝፍፅምዎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ሆንግ ኮንግ እናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ሻቅ፟ሎት፣ፀቕጢ ናይ ምዝራብ ናጽነትን ፕረስን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ሓባራዊ ስጕምቲ ምውሳዶም ይቅ፟ፅሉ።

ሳልሳይ ኣሜሪካ ንውሕስና ምግቢ፣ጥዕና፣ ፀዓት፣ ኩነታት ኣየርን ኩለመዳያዊ ቁጠባዊ ዕቤትን ፍታሕ ንምሃብ ማሕበራት ተተኣኻኽብ ኣላ።

ኣብ መወዳእታ ብሊንከን “ኣሜሪካዊ ዴፕሎማሲ ሰላም ንምድንፋዕ ፣ ጎንፅታት ንምክልኻልን ንምቕላልን ተጠቒምናሉ ኢና” ኢሎም።

“ካብ እስራኤል፣ሞሮኮ፣ ባሕረይን ሕቡራት ሃገራት ግብጺን ዝመፁ መዘናታተይ ብሓባር ብሙዃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ምትሕብባራትን ንቡርነትን ንምድንፋዕ ኣብቲ ታሪኻዊ ዋዕላ ነጌቭ ተኻፊለ እየ። ነቲ ንነዊሕ እዋን ንእስራኤልን ሊባኖስን ከሰሓሕበን ዝፀንሐ ጉዳይ ባሕሪ ዶብ ታሪኻዊ ስምምዕ ክፍፀም ገይርና። ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተማእከለ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ክቋረፅን ስምምዕ ዘተ ክሳለጥ ደጊፍና። ሱዳን ናብ ሲቪል ዝመርሖ ዲሞክራሲ ምሕደራ ንምምላስ ስርዓት ኣብ ምቅ፟ራፅ ንዝተበፅሐ ስምምዕ ሓጊዝና ኢና። ኣብ ውግእ የመን ፀጥታ ክኽበርን ሰላም ክሰፍን ሓጊዝና ኢና ዕ ኢሎም።

ንመፃኢ ኣብ 2023 ኢሎም ብሊንከን ኣሜሪካን መሻርኽታን ብሓባር ምዕብልቲ፣ ነፃ፣ ፀጥታኣ ዝተሓለወት ዓለምን ኣብ ሕናፅ ምስረሖም ክንቅፅሉ እዮም ኢሎም።

XS
SM
MD
LG