ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኢትዮጵያ ንዋንነት ወሰን ምኽንያት ገይሮም ብዝፍጠሩ ጎንፅታት ምፍርራሓትን ልዑል ስግኣት ኣለዋ። ወሳናይ ምርኣያ እዞም ክፍጠሩ ዝፀንሑ ምፍርራሓት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዝርከብ ቅልውላው እዩ ።
ህዝቢ ትግራይ ልዑል ስቃይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ልዕሊሓደ ሚልየን ዝኸውን ድማ ዝብላዕ ስኢኑ ንጥምየት ተሳጢሑ ይርከብ ። ብተመሳሳሊ ህፁፅ ሓገዛት ሰብኣውያን ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ካልኦት ዕጡቃ፟ት ሓይልታት መሕለፊ ስኢኖም ተኸልኪሎም ይርከቡ ።
ዝፍፀሙ ዘይሕጋዊ ቅትለታት ፣ካብ መረበቶም ክመዛብሉ ምግዳድ፣ ፆታዊ ጥቅዓት መስርሕ ኲናት ገይርካ ምጥቃምን ካልኦት ጥቃ፟ዓታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍፀሙ ምን ምንግልትዓትን ዩናይትድ ስቴት ብፅኑዕ ትኩንን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ'ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም ሓቢሮም ። ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ሕክምና ጣብያታት፣ ጣብያታት ዝስተ ማይ ሓዊሱ ኣብ ንብረታት ሲቪል ዝወረደ ዕንወት ንዓና'ውን ኣደንጊፁና እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝተዋፈሩ ሰባት ናብ ሕጊ ከቅርቦም ፣ ደሕንነት ሰላማውያን ሰባት ከውሕስን ዘይተወሰነ ምብፃሕ ሰብኣውያን ከፍቅድ ዩናይትድ ስቴትስ ትፅውዕ ።
"ዋላ'ኳ ርኡይ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ዘተታት ተተኻየዱ 'ውን" ኢሎም ብሊንከን “ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጎንፂ ዝሳተፉ ኣካላት ነቲ ቅልውላው ንምህዳእ ኮነ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሰላማዊ ፍታሕ ብምብፃሕ ንቅድሚት ክስጉሙ ኣይመረፁን" ኢሎም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን መንግስቲ ኤርትራ'ውን ብቅልጡፍ ሰራዊቱ ናብቲ ዓለም ዝፈልጦ ግዝኣት ኤርትራ ክምለስ ፀዊዖም ።ፀፃባእቲ ሓይልታት ተፃብኦታቶም ንጎኒ ገዲፎም ሰብኣዊ ሓገዛት ክባፅሑ እንተዘያአፍቂዶም እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ መግቢ ናብ ሓደጋ ጥምየት ከምርሕ ይክእል እዩ ኢሎም ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ኮነ ቅድም ክብል ሰበስልጣናት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፣ ኣባላት ሓይልታት ሰራዊት ወይ ካልኦት ተሳተፍቲ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራ ሓዊሱ ኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ'ውን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቅልውላው ንዘጋድዱ ኩሎም ሓይልታት ዩናይትድ ስቴትስ ፍቃድ ቪዛ ምኽልካላ ዝፍለጥ እዩ ።
ከምኡ'ውን ነቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ምንግልታዓት ዝሳተፉን ምብፃሕ ረዲኤት ዝኽልክሉን ኣካላት'ውን ዝሓወሰ ኮይኑ ናይ ቀረባ ስድረኦምን'ውን ግዳያት እቲ ክልከላ እዮም ። ካልኦት መንግስታት 'ውን ንውሳነታት ዩናይትድ ስቴትስ ክስዕብዎ ፀዊዖም ።ብተወሳኺ ዩናይትድ ስቴትስ ንኢትዩጵያ ኣብ ቁጠባውን ፀጥታዊ ሓግዛትን ዓብዪ ክልከላ ዘንበረት ኮይና ንዝተወሰኑ ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣብ ካልኦት ወሰንቲ ረዲኤታት ጥራሕ ክትውሰን ሙዃና ብሊንከን ገሊፃኦም ። ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ'ውን ዓብዪ ክልከላ ኣምቢራ እያ ።
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ቅልውላው ንኽፍታሕን ኢትዮጵያውታን ንዘካይድዎ ዕርቅን ዘተን ዝሓወሰ ስጉምቲ ንምዕዋት ንዝንቀሳቀሱ ሓይልታት ሓገዝ ልዑል ሙዃኑ ገሊፆም ።