Accessibility links

Breaking News

ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ደው ክብል ኣለዎ


ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ስሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ ሞንጎ ነታ ክልል ከመሓድር ዝፀንሐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓትን ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ንኣዋርሕ ነጊሱ ዝፀንሐ ወጥሪ ተባሪዑ ናብ ኲናት ኣትዮም ። ብድሕሪ'ዚ ዕጡቃት ሓይልታት ጎረቤት ክልል ኣምሓራን ሓይልታት ምክልካል ኤርትራን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሮም ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ተሸላማይ ኖቤል ሰላም ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ሰራዊቶም ንርእሰ ኸተማ ክልል ትግራይ መቀለ ድሕሪ ምቁፅፃሮም በቲ ኲናት ከምዝተዓወቱ ዕላዊ ገይሮም ።

ይኹን ደአ እምበር ሓይልታት ኢትዮጵያ ፣ ኣምሓራን ሓይልታት ኤርትራንን ግን ኣብ ትግራይ ምስ ኣተወ ኣይወፁን ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ክልል ዝሳተፉ ዘለዉ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት ሓዊሱ ካልኦት ዕጡቃ፟ት ሓይልታትን ኩሎም ሰላም ህዝቢ ይዘርጉ ኣለዉ ። ይብል ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ።

"ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ዕጡቃት ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ዘስካሕክሑ ተግባራት ፈፂሞም 'ዮም" ኢሎም ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም "ብዙሓት መረጋገፂታት ኣለዉና ዕጡቃት ሓይልታት ኣብ ትግራይ ንፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ፈፂሞም ።"

እቲ ዝያዳ ሻቅሎት ዝፈጠረ ድማ ሰራዊት ኤርትራን ካልኦት ዕጡቃት ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ተዋሳእቲ ሓይልታት ካብቲ 6 ሚልየን ህዝቢ ትግራይ 5.2 ዝኣክል ህዝቢ ዝተላእኸ ሓገዛት ሰብኣውያን ብፍላይ ህፁፅ መግቢ ንኸይሓልፍ ይኽልክሉን ይሰርቁን ምህላዎም እዩ ።

ከምሓበሬታ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተኾይኑ ካብቲ 3 ሚልየን ዝፅጋዕ ህፁፅ ሓገዝ መፅለሊን ናውትን ዘድልዮ ህዝቢ ካብ 3 ጉንበት ጀሚሩ 347,000 ህዝቢ ከባቢ 12% ዝኸውን ህዝቢ ጥራሕ እዩ ብሰብኣውያን ተበፃሓይ ኮይኑ ።

" ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ከይኣትው ብወተሃደራዊ ሓይልታት ክልከላታት ዘርእዩ ዝተረጋገፁ መረዳእታታት እናወሰኹ ምምፀኦም ኣሜሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንተኒ ብሊንከን ሓቢሮም 'ዮም ። "

"ኣሜሪካ ብዘየማትእ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰራዊቶም ኣብ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዓዊ ተግባራት ጠጠው ከብሉን ጠቅሊሎም ክወፁን ደጋጊማ ትፅውዕ ። ከምኡ'ውን ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ንዓለም ለኸ ሕግታት ተገዛእቲ ክኾኑ ፣ ደሕንነት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ግምት ዘእተዉን ኩሎም ተፃብኦታት ብቅልጡፍ ጠጠው ብምባል ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ቅልጡፍ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ክበፅሖም ከፍቅዱ ንፅውዕ ኢሎም ብሊንከን ።"

ከምኡ'ውን ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጡቃት ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ብምውፃእ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንብቲ ዝነበርዎ ምምሕዳር ትግራይ ብምምላስ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክርከብ ንሓትት ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን ፕሬዝዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ንኹሎም ፈፀምቲ ገበናት ፈፀምቲ ጥቅዓት ናብ ሕጊ ከቅርብዎም ይግባእ።

XS
SM
MD
LG