Accessibility links

Breaking News

ፕረዚደንት ባይደን ንናይ የመን ኹናት ደው ከብሉ ዘለዎም ዕላማ ይገልጹ


ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋናት ክፍፅምዎም ዝደልዩ ቀንዲ ቀ፟ንዲ ፖሊሲታት ጉዳያት ወፃኢኦም ዕላዊ ገይሮም ። ካብኣቶም ኲናት የመን ጠጠው ምባል እዩ ።

የመን ካብ ሃገራት ዓረብ እታ አዝያ ድኻ ሃገር እያ ። ንነዊሕ እዋን ሱር ብዝሰደደ ድኽነት እናተሳቅ፟የት እትርከብ የመን ናቱ ውፅኢት ድማ ሕፅረት ማይን ካልኦት ሃብትታትን ፣ ዘይመጣጠን በዝሒ ህዝቢ ፣ እዋናዊ ውሽጣዊ ጎንፅፅትን ሱር ዝሰደደ ፀገም ውሕስና መግብን ኣስዒቡ ።

ኣብ 2014 ዝተጀመረ ኲናት ብዙሕ ከይፀንሐ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ብሱዑድ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ዓረብን ቀጥታዊ ዘይኮነ ኲናት ተጀሚሩ ።ከምቲ ዝፍለጥ ኣብ ኲናት ዝያዳ ዝህሰ ሲቪል 'ዩ። ብሙኳኑ ኣብዚ እዋን ኣብ የመን 24.3 ሚልየን ህዝቢ ዝተወሰነ ሳባዊ ሓገዛትን ሓለዋን ይረክብ ። ካብ 2015 ጀሚሩ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቁፀሩ ሲቪል የመናውያን ተቀ፟ቲሎም ከባቢ 3.6 ሚልየን ዝፅግዑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ።

"ዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ተጠቂ፟ምና ነቲ ስልታውን ሰባውን ዕንወት ዘስዓበ ኲናት የመን ጠጠው ንኽብል ክንሰርሕ ኢና" ክብሉ ፕሬዝዳንት ባይደን ተዛሪቦም ።

"ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ተኹሲ ጠጠው ምባል ፣ንወሃብቲ ሓገዛት በሪ ምኽፋት ፣ ነቲ ዝታኾስ ዘተሰላም ብምግባር ናብ ስራሕ ምምላስ አብዝ ኣምሰሉ ንጥፈታት ሓገዝና ልዑል ሙዃኑ ንኽርድኡ ከፍልጥዎም ማእከላይ ምብራቅ፟ ዝከታተል ጉጅለይ ነጊረዮም ኣለኹ ።"

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ፕሬዝዳንት ባይደን ናይ ነዊሕ እዋን ልምድ ዘለዎ ንሃገራት ወሽመጥ ኣፀቢቁ፟ ዝሰልጠነን ቲሞቲ ልንደር ኪንግ ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ የመን ክኾን ከምዝሾምዎ ኣፍሊጦም ። እቲ ኲናት ጠጠው ንኽብል ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪዮናይትድ ስቴትስ ጠመተ ሂቡ ዝቆፃፀሮ ይኸውን ኢሎም።

"ቲም ኣብቲ ኸባቢ ናይ ነዊሕ እዋን ተሞክሮ ኣለዎ። ብሙኳኑ ምስ ልኡኻት ህቡራት ሃገራት ኣብቲ ጎንፂ ምስ ዝሳተፉ ኣካላት ብሙኳን ዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንኽመፅእ ድፍኢት ክገብር ይኽእል ። ከምኡ'ውን ዲፕሎማሲ ተጠቂ፟ምካ ብምትሕብባር USAID ንምኒስትር ጉዳያት ወፃእን ነቶም ክወፅዎ ኣብ ዘይኽእሉ ዕንወት ጥሒሎም ዝሳቀ፟ዩ ዘለዉ የመናውያን ሰባዊ ሓገዛት ክበፅሓሎም ምስራሕ እዩ።"

ኣብ መወዳእታ ፕሬዝዳንት ባይደን ከምዝበልዎ ኣብ የመን ንዝካየድ ኲናት ዩናይትድ ስቴትስ ንኦፖሬሽናዊ መጥቃዕቲተባሂሉ እንገብሮ ሓገዝን ንተመሳሳሊ ዕላማ ዝውዕሉ መሸጣ ኣፅዋርን ጠጠው ከም እተብል ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ዩናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ኣልቃዒዳ አብ ሓወሲ ደሴት ከባቢታት ዓረቢያ እትገብሮ ወፍሪ ኣይክተቋርፅን እዚ ማለት ዝኾኒ ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ኮነ ንምክልኻል ሱዑድ ዓረብ ዝግበር ሓገዝ ዘጠቃ፟ልል እዩ ።

"ሱዑድ ዓረብ ኢራናውያን ዘዕጠቅ፟ዎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝርከቡ ሓይልታት ደብዳብ ሚሳይላት ፣ ብሪሞት ዝዝወራ ኣልቦ ሰብ ነፈርቲን ካልኦት ምፍርራሓትን ይወርድ ኣሎ ። ብሙኳኑ ሱዑድ ዓረብ ካብዞም ሽርሕታት ሉኣላዊነታ ፣ግዝኣታን ህዝባን እተኽብረሉ ዓቀሚምሕጋዝና ክንቅፅል ኢና።

" እዚ ኲናት ጠጠው ክብል ይግባእ" ኢሎም ፕሬዝደንት ባይደን

XS
SM
MD
LG