Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ መዓልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ


Martin Luther King
Martin Luther King

በቢ ዓመቱ ወርሒ ጥሪ ምስ ኣተወ ኣብ ሳልሳይ ሰኑይ መዓልቲ ዝኽሪ ሉተር ኪንግ ጁንየር ። ካብ ደቡባዊ ግዝኣት ኣለባማ ዝተረኽበን ሚኒስትር ሃይማኖት ፕሮቴስታን ዝነበረን ዶ/ር ኪንግ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ መራሒ ምንቅስቃስ ምእንተ ዜግነታዊ መሰላት ዝግበር ቃልስን ማሕበራዊ ለውጥን ብዘይገለ ዓመፅን ጥቅ፟ዓትን ንኽመፅእ ዝካታዕ ዝነበረ እዩ።

ካብቶም ክልተ ዓወታት ዶ/ር ኪንግ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ 1964 ኣንፃር ኣብ ኣብያተ ዕዮታት ዝረኣዩ ዝነበሩ ጥሕሰት ዜግነታዊ መሰላትን ኣብ ህዝባዊ ቦታትታት ዝፍጠሩ ዝነበሩ ኣድልዎን ኣመልኪቱ ዝወፀ ኣዋጅ ዜግነታዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ኣብ 1965 ኣዋጅ መሰል ምምራፅን እዮም ።

ዶ/ር ኪንግ ኣንፃር ዘርኣዊ ፍትሒ ዝገብሮ ዝነበረ ቃ፟ልሲ ኣብ ዓለም ለኸ ሕጊ ዓሌታዊ ማዕርነት ኣየምፅአን ። ይኹን እምበር ቃላቱን ምንቅስቃ፟ሳቱን ግና ኣብ መላእ ዓለም ኣንፃር መግዛእቲ፣ ኣፓርታይድን ዘይፍትሓዊ ዓሌታውነትን ንዝቃለሱ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለዓዓሊ ኮይኑ እዩ።ንኻልኣይ ኲናት ዓለም ስዒቡ ዝመፀ ብዙሓት ሃገራት ካብ መግዛእቲ ናፃ ዝወፃሉ ዘመን ነይሩ ።ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ካብ 1945 ስጋብ መፈለምታ 1960 ኣብ ዘሎ ቁፅሪ ኣባል ሃገራት ውድብ ሑቡራት ሃገራት ብልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ 115 በፂሑ ። ካብዚአን ከባቢ 75% ዝኾና ህዝብታተን ባአድላውያን ሕግታት ዘይፍትሓውያን ተግባራት ንነዊሕ እዋናት ዝሳቀ፟ዩ ዝነበሩ ዘይማዕበላ ሃገራት እየን።መብዛሕትኦም ነዘን ሃገራት ወኪሎም ዝመፁ ሰባት ብናይ ዶ/ር ኪንግ ወፍሪ ሰላማዊ ተቃ፟ውሞ ሲቪላዊ መሰላትን ኣብ ዝጥሕስ ኣዋጅ ዝፈጠሮ ፅዕንቶን ዝተተባብዑ'ዮም። ንሳቶም ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርዕዎም ካብቶም ብኢንዱስትሪ ዝማዕበሉ ሃገራት ኣዝዮም ዝተፈልዩ ምዃኖም ምስተረድኡ ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሓሎም ናብ ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲዶሞ ናብቲ ጎንፅታት ብሰላማዊ ስምምዓት ክፍትሑ ዝገብር ኣካል ። ወኪላቶም ድማ ክትዓት ኣዳሊዮም ኣንፅር ዓሌታዊ ግፍዕታት ተሓባቢሮም ክቃለሱ ወሲኖም።ውፅኢቱ ድማ ዓሌታውነት ማእከል ዝገበረ ምግላል ንምእላይዝፀደቀ፟ ዓለም ለኸ ስምምዕት ተቀ፟ቢሉዎ ። ድሕሪ ዓመት ድማ ውድብ ሕቡራት ነቲ ዓለም ለኸ ቃልኪዳን መሰላት ፖለቲካን ሲቪልን ዓለምለኸ ቃልኪዳን ቁጠባን ማሕበራዊ መሰላትን ተቀ፟ቢልዎ ።ካብ 1948 ጀሚሩ ክልትኦም ኣዚዮም ወሰንቲ ስምምዓት ሰብኣዊ መሰላት ተገይሮም ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም ።

ኣብ መላእ ዓለም ከም ሓያል ዋዒ ንናፅነት ዝግበር ወፍሪ ብሰፊሕ ምንቅስቃ፟ስ ክጋዋሕ ጀሚሩ ።ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣንፃር ዓሊታቶምን መሬታቲምንዝግበር ምዝመዛ ጠጠው ንምባል ቆሪፆም ተላዒሎም እዮም።" ክብሉ ከም ኣቆፅፅራ ኣውሮጳ ኣብ 1964 ናይ ኖቤል ሽልማት ኣብ ዝወሰዱሉ እዋን ሓደ ካብቶም ዓለም ለኸ ቃልሲ ኣመልኪቱ ኣመልኪቱ ዘሕለፎም መልእኽትታት ሓደ እዩ ።"

"እዚ ሐዚ ንሪ ዘለና ባርዕ ናፅነት እዩ ።" ኢሉ እዩ

XS
SM
MD
LG