Accessibility links

Breaking News

ሓሙሽተ ዓውድታት ሓባራዊ ጠቕሚ ምስ ኣፍሪቃ


ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ቀረባ ናብ አፍሪካ ዝገበርዎ ዕውደት ኣብ ሓሙሽተ ሓባራዊ ድልየታት ክልቲኤን ኣህጉራት ዝጠመት ምንባሩ ገሊፆም ።

እቲ ቀዳማይ ሓባራዊ ድልየት ኩለመዳይ ዓለም ለኻዊ ቁጠባ ምህናፅ እዩ። ዕላማ ተበግሶ ፕሮስፐር ኣፍሪካ ክልቲኣዊ ንግዳዊ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ እዩ ። ምዕባለን ዕድላትን ኣፍሪካ ካብ ቀረፅ ነፃ ኮይኖም ናብ ዕዳጋ አሜሪካ ክኣትዉ ዘኽእል ሕጊ ዘተግብር እዩ ። ኣሜሪካ ድማ ሃገራት ኣፍሪካ ተጠቀምቲ እዚ ዕድል ዝኾኑሉ ባይታ ተመዓራሪ ኣላ ። ከምኡእውን ኣሜሪካ ምንቅስቃ፟ስ ንግዲ ኣፍሪካ ንምባይ ናይታ አህጉር ካብ ቀረፅ ነፃ ንግዳዊ ክልል ምፅንበር ሓደ መንገዲ ብሙኳኑ ኣሐጉስዋ እዩ ።

ካልኣይ ድልየት ቅልውላው ከባቢ ኣየር ብሓባር ምፍታሕ ዝብል እዩ ።

“ኣብታ ኣህጉር ዘጓነፉ ኩሎም ዝከፍኡ ክስተታት ምስክራት እዮም ። ጥምየት፣ብርሰት ኣግራብ ፣ ምኽሳም ኣዝእቲ ፣ ጋሻ ውሕጀ፣ ምብዳም መሬታት ፣ ስእነት ወሕስነት መግቢ ፣ ንሕንሓት ምኽዕባት ሃብቲ ፣ ቁጠባዊ ክሳራታትን ስደትን ካብ ዝፈጠሮም ፅዕንቶታት እዮም ። ሃይቅ ቻድ ንዘመናት ምንጪ ዝስተማይ ፣ መግቢን መነባብረኦምን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ ሎሚ ግን ናብ ምንፃፉ እዩ ። ካብቲ ቅድሚ ፷ ዓመት ዝነበሮ መጠን ማይ ብ፭% ቀኒሱ ።”

ናይ ጆ ባይደን ትልሚ ቅድመ ሓደጋ ድልውነትን ተፃዋርነትን ኩሎም መራሕቲ ኣፍሪካ ዝጀመርዎ ሓይሊ ዝቁ፟ጥብን ንዝኾነ ዓይነት ምልውዋጣት ፀባይ ኣየር ክፃወር ዝተተለም ትሕተቅ፟ርፂን ፋይናንሳዊ ሓገዝን ይድግፍ ።

ሳልሳይ “ ለበዳ ኮቪድ ፩፱ ጠጠው ክብል ኣለዎ” ኢሎም ብሊከን ። ኣብ ቀረባ አሜሪካ ብደረጃ ዓለም ፪፸ ሚልየን ክታበታት ብምስዳድ ዓብዪ ሸቶ ወቂዓ እያ ። ካብኣቶም ልዕሊ ፸ ሚልየን ዝኾኑ ናብ ፬፫ ትሕቲ ሳሃራ ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተላእከ ኮይኑ ተወሳኺእውን ተዳሊዩ ይርከብ ።

እቲ ራብዓይ ድልየት ምጥንኻር ዴሞክራሲ አብ አፍሪካ እዩ ። ኣብ ዓለም ብዴሞክራሲ ንድሕሪት ምትራፍ ዘተሓሳስብ እዩ ።ብተወሳኺ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ዜጋታት ንምጥቃዕን ተቃ፟ውሞታት ንምዕፋንን የገልግል ምህላዉ ፤ “ዴሞክራሲ ህሃበሬታታ ሓሶት ንምቅላዕ ፣ ንናፅነት መርበባት ምጥባቅ፟ ፣ ዘይግቡእ ኣጠቃ፟ቅ፟ማ ክትትላት ቴክኖጂ ምቅ፟ናስ ፣ ኣብ ሳይበር ጠፈር ሓላፍነት ዝወስዱ ብርክታት ስነምግባር ንምምስራት ዝግበር ፃውዒት ምላሽ ዥብ ክኸውን ይግባእ ።” ክብሉ ብሊንከን ኣተሓሳሲቦም ።

ኣብ መወዳእታ ዘላቂ፟ ሰላምን ፀጥታን ኣፍሪካ ክምዕብል ይግባእ ። ብፅንፈኛታት ዓመፅቲ ፣ገበነኛታትን ዕጡቃ፟ት ውሽጥን ዝልዓሉ ምፍርራሓት ግሁዳት እዮም ። ኢሎም ብሊንከን። ካብቶም ነዚ መልሲ ክኾኑ ዝኸእሉ ብሞያ ዝሰልጠኑ ሃገራዊ ሓይልታት ፀጥታን ከባቢያዊ ኣኽበርቲ ሕግን እዮም ሰብኣዊ መሰላት ብምኽባር ደሕንነት ዜጋታት ክሕልዉ ዝኸእሉ ። ይኹን እምበር ቀንዲ መሰረት መበገሲ እቲ ግጭት ፈሊኻ ምፍታሕ ግን ኣዝዩ ኣድላዪ ጉዳይ እዩ ።

“ ኣሜሪካ ምስ አፍሪካ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንካር ድልየታትኩም ፣ ምስ ድልየታትናን ድልየታት ዓለም ለኸ ህዝቢ ህይወቱን መፃኢኡን ብሓንሳብ ኮይና ኣብ እነምፀኦ ውፂት ዝተሞርኮዘ እዩ ።” ኢሎም ብሊንከን ።

XS
SM
MD
LG