Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ፡ ሚያዝያ 11,2022


ዓሰርተ ሹድሽተ ኣዋርሕ ዝወሰደን ብኣሻሓት ዝቁ፟ፀሩ ኢትዮጵያውያን ንሞት ካልኦት ሚልዮናት ድማ ንዕንወት ዘሳጠሐ ኲናት ሕድሕድ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣናት ክልል ትግራይን ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱን ብምፍቃድ ነቲ ሕፁፅ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ኽበፅሓሉ ዘግብር ሰብኣዊ ዕርቂ ብምውራድን ተፃብኦታት ጠጠው ኣቢሎም ሓገዛት ብሰላም ኣብ ምጉዕዓዝ ዕንቅፋት ንዘይምፍጣር ተሰማሚዖም ።

ንሰልተ ተከታተልቲ እዋናት ክረምቲ እኹል ማይ ብዘይምርካቡ አብ ኢትዮጵያ እኹል ምህርቲ ክርከብ ኣይተኻእለን።ዋላ ኣብቲ ሰላም ዝነበረሉ እዋን'ውን እንተኾነ ኣብቶም ግዳያት ዝኾኑ ከባቢታት ዝነብሩ ህዝቢ ሓገዝ መግቢ ዘድልዮም እዮም ነይሮም ።

ይኹንምበር እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስትን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ዝካየድ ዘሎ ውግእ ግን ነቲ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓደጋ ክበኣስ ገይሩዎ እዩ ። ከም ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ 5.5 ሚልየን ዝከውን ህዝቡ ትግራይ እቲ 90% ሕፁፅ ሓገዝ ረዳኤት ዘድልዮ ምኡዃኑ እዩ ።

ከምኡ'ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከባ ጎረባብቲ ክልላት ብፍላይ ዓፋርን አምሓራን'ውን በቲ ኣብ ትግራይ ዝትወለዐ ኲናት ግዳያት ዝኮኑ እዮም ። ብሓፈሻ ከባቢ 9.4ሚልየን ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ኢትዮጵያ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ እዩ ።

ጉጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝበልዎ ሓገዛት እኳ እንተሃለዉ መንገዲታት ብምዕፃዎምን ዝካየዱ ጎንፅታትን ሓገዛት ዝፀዓና መኻይኖም ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ምኽልካለን ይገልፁ ። ካብ ታሕሳስ 2021ጀሚሩ ናብታ ክልል ዝተጉዓዓዘ ሓገዝ ብነፈርቲ ጥራሕ ዝተገብረ ኮይኑ እዚ ድማ መግቢን ነዳድን ንምብፃሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ይርከብ ።ክልቲኦም ተዋጋእቲ ንምዕፃው ሰብኣዊ ሓገዛት ንዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን ኣመልኪቶም ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

ይኹንምበር 24መጋቢት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይተወሰነ ሰብኣውነት ክብል ምቁራፅ ተፃብኦ ምግባሩን ህወሓት ብወገኑ ተፃብኦታት ብምቁራፅ እቲ ስምምዕነት ንምዕዋት ከምዝሰርሕ ሓቢሩ ።

ኣብ 1 ን 2 ሚያዝያ ክልተ ጉጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይናት ካብ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን መሻርኽቲና ፕርግራም መግቢ ዓለምን ንእዋን ሓደጋ ዘገልግል መግቢ ፣ ነዳድን ካልኦት ዘድልዩ ናውትን ከምኡ'ውን ውሑዳት መኻይን ካብ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዝርከቡወን ናብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን አጉዓዒዞም ።

“ኣሜሪካ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣናት ክልልን ዝተወሰደ ተፃብኦታት ጠጠው ናይምባል ተበጉሶታት ከዘሐጎሳን ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ንዝርከቡ ኢትዮጳያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ ብምፍቃዶምን ነመስግኖም ።ኣብ ዝሓለፉ ሰለስት መዓልታት ካብ ዝተበገሳ ክልተ ጉጅለታት ዓበይቲ መኻይን ዝርከበኦም ሰብኣዊ ሓገዛት ልዕሊ 100ሽሕ ዝኾኑ ኢትዮያውያን ህይወት ኣድሕን መግቢ ክረኽቡ እዮም ” ዝበሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ አሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ።

“ኩሎም ወገናት ካብዚ ኣወንታዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ብምብጋስ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ንምዕሳል እቶም ዘፀግሙ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊኡ ክሃንፁ ነተሓሳስብ ።” ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG