Accessibility links

Breaking News

ዳርፉር ዝረአ ዘሎ ዘሰክፍ ኩነታት


ኣብ ሱዳን ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ነቲ ዓንተዉኡ'ውን ኣብ ዝኸፍአ ዕንወት ዝርከበ ከባቢ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ሰሙናት ድማ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት ተጋዲዱ ይርከብ።

“ኣሜሪካ ንተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን ተፃብኦታቶም ከቋርፁ፣ ብዘይዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱ ከፍቅዱን ከምኡ'ውን ደሕንነት ሲቪላውያን ክሕልዉ ፃዊዒታ ቀፂላትሉ ትርከብ።”

“እዚ ጭካነ ዝተመልኦ ጎንፂ 630,000 ሰባት ኣብ ታሪኽ ሱዳን ዝኸፍአ ዝተባህለ ጥምየት ተቃሊዖም፣ ልዕሊ 30 ሚልዮን ድማ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ይፅበዩ፣ 12.5 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መንበርታቶም ተመዛቢሎምን ብዓሰርተታት አሽሓት ድማ ዝሞቱሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ንክፍጠር ምኽንያት ኮይኑ እዩ።”

“ንኽልቲኦም ጉጅለ ተፃባእቲ ድልየትና ምቁራፅ ጎንፅን ምምላስ ሰላምን ምዃኑ ኣነፂርናሎም ኢና። እንተኾነ ግን በሓይሊታት ወሃብ ህፁፅ ድጋፍ ሱዳን ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዛምዛም ሰሜን ዳርፉር ዘብፅሕዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ክምኡ'ውን መሻርኽቲ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ንሲቪላውያን ከም ሰብኣዊ ዋልታ ወይውን መሕብኢ ይጥቀምሎም ምህላዎም ፀብፃባት የመላኽቱ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሻቂሉና ይርከብ።”

“ብሙዃኑ ንኽልቲኦም ወገናት ማለት'ውን ሓይሊታት ውሃብ ቅልጡፍ ደገፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዛምዛም መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ሲቪላውያን ዝፍፅምዎ መጥቃዕቲ ከቋርፁን ከምኡ'ውን ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ድማ ካብን ናብን ዛምዛም መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝመላለሱ ሲቪላውያን ኮነ ሰራሕተኛታት ሰብኣውያን ብናፅነት ክንቀሳቀሱ ከፍቅዱንምሕፀን።”


“እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ኣዝዩ መዕነዋይን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበን ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ቀፃላይ ምዕባለታቱ ድማ ስግኣት ህድኣትን ፀጥታን እቲ ዞባን ክንዩኡን ኮይኑ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ድማ ጠመተኣ እቲ ቅልውላው ፍታሕ ኣብ ዝርከበሉ መዳይ ገይራ ኣላ።”

XS
SM
MD
LG