Accessibility links

Breaking News

ሰላም ናብ የመን ምምጻእ


ኣብ የመን ብሞንጎኛነት ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ካብ ዝጅመር 16 ኣዋርሕ ኣቁፂሩ ኣሎ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ የመን ዝግበር ቁፅሪ በረራ ምውሳኹ ሓዊሱ ገለ ሰብኣዊ ሓገዛት'ውን ናብ የመናውያን ክበፅሕ ዝጀመረ'ኳ እንተኾነ “እዞም ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ግን እኹላት ዘይምዃኖም ንርዳእ ኢና። ከምኡ'ውን ስጋብ ሐዚ ሓገዝ ዘይበፅሖም ብዙሓት የመናውያን ምህላዎም ንፈልጥ ኢና” ኢለን።

“ብርግፅ ኣብዚ እዋን'ውን ገለ የመናውያን መቐፀልታ ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ገደብ ዋሕዚ ኣቁሑን ሑቲ ብዝገብርዎ ክልከላ ንመብሰሊ መግቢ ዘገልግል መሸጣ ጋዝ ሓዊሱ ካብ ደቡባዊ የመን ናብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣቁሑ ንምሕላፍ ብዘጋጥሞም ዕንቅፋታት ይሳቐዩ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ሑቲ ንሰደዳት ነዳዲ ምዕጋቶም ቀፂሎም ኣለዉ እዚ ድማ ንሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው የመን የጋድዶ ኣሎ ” ኢለን።

ኣምባሳደር ቶማስ ግሪን ፊልድ ወሲኸን የመናውያን ኣብ ፃዕርታት እቲ ሰላም ምዕባለ ክርእዩ ተሃንጥዮም ኣለዉ ኢለ።

“ምዕባለ ንምምፃእ ፓርቲታት የመን ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ከም ሉኣላዊ ሃብቲ የመን ንመኽፈሊ መሃያ ህዝቢ ምውዓል ዝብሉ ዝተሓላለኹ ጉዳያት የመን ክዝትዩ ይጠልብ። ኩሎም እቶም ፓርቲታት ምስ ፍሉይ ሉኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ኣብ የመንን የመናውያንን ዝጠመት ትርጉም ዘልዎ ዘተ ክገብሩ ንላቦ።

ኣሜሪካ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተቆፅሩ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ብዘይ ቅድመ ኹነት ብቅልጡፍ ንኽፍትሑ ምፅዋዓ ቀፂላ ትርከብ። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓደ ዓይነት መርገፂ ስለዘለዎ ሑቲ ነዞም ንፁሃን የመናውያን ምስ ስድረኦም ክራኸቡ ክፈቕዱ ይግባእ።

ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ሰንዓ ተኣሲሮም ዝርከቡ 13 የመናውያን ሰዓብቲ ባሃኢ ብፍላይ ጉዳይ ህፁፅ ሕክምና ዘድልዮ ኣሕመድ ማላሂ ስኽፍታ ኣለና፤ ኣብ መወዳእታ ሑቲ ንሓደ ካብቶም ውሑዳት ዝተረፉ ዓሌት ማሕበረሰብ ኣይሁድ የመን ዝኾነ ሌቪ ማርሃቢ'ውን ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኮነ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ንፅውዕ” ኢለን።

ኩሎም የመናውያን ብዘይ ገለ ፍርሃትን ስግኣትን ዝመረፅዎ ሃይመኖት ናይምስዓብ ድልየቶም ክሕለው ይግባእ። ንሕናውን እቲ ኣብ የመን ዝወርድ ዘሎ መስጎግቲ ኣንፃር ሃይማኖታውያን ኣመንቲ ድምፅና ምስማዕና ክንቅፅል ኢና።”

ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ ኣባል ሕቡራት ሃገራት "ነዚ ኲናትን ነቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ንየመን ዘሳቅያ ዘሎ መጥቃዕትታትን ንምእኻል ዝከኣለና ኹሉ ክንገብር ኣለና። እዚ ድማ ብህፁፅ ክንገብሮ ዝግባእ እዩ።”

XS
SM
MD
LG