ኣብ 7 ጥሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሱዳን ብሓይሊታት ውሃብ ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)ን መሻርኽቶም ምልሻን ዝተፈፀሙ ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ናብ ብርኪ ምፅናት ዓሌት ከምዝዓበየ ናብ ውሳነ ምብፀሖም ገሊፆም።
ሚኒስትር ኣንቶኒ ብሊንከን ብፅሑፍ ዕላዊ ኣብ ዝገበርዎ መግለፂ “ኣብ 15 ሚያዝያ 2023 ዕጡቃት ሓይሊታት ሱዳን (SAF)ንን ሓይሊታት ወሃብ ህፁፅ ደገፍን ብዝወልዕዎ ዘየቋርፅ ጭካነ ዝተመልኦ ግጭት ምኽንያት ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዝተባህለሉ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ሱዳን ዝኸፍአን ን638,000 ሱዳናውያን ናብ ዝሓሰመ ጥምየት ዘሳጠሐን ከምኡ’ውን ልዕሊ 30 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝኾኑ ድማ ክሞቱ ምኽንያት ኮይኑ እዩ” ኢሎም።
ብሊንከን ኣብ 19 ታሕሳስ 2023 ኣብ ቅድሚ ቤትምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበልዎ።
“ሕድሕድ መዓልቲ ሓደስቲ ግፍዕታት ዝረኣየሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፣ ዕዳጋ፣ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ መጥቃዕቲ ዝፍፀመሉን መርሸንትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብቃላት ዘይግለፅ ፆታዊ ዓመፃት ይፍፀመን። ብተደጋጋሚ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብአዊነት ክፍፀሙ ንዕዘብ ኣለና።”
ብሊንከን ወሲኾም “RSFን መሻርክቶም ምልሻን ንደቂ ተባዕትዮን ኣወዳትን ህፃናተ 'ውን ከተረፈ ኮነ ተባሂሉ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ብሜላ ቀቲሎም’ዮም፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን'ውን ዝተወሰኑ ዓሌታት ድማ ብምዕማፅን ካልእ ጭካነ ዝተመልኦ ፆታዊ መትቃዕትን ንኽፍፀመን ኮነ ኢሎም ዒላማ ገይሮመን እዮም” ኢሎም።
“ብተመሳሳሊ እቶም ምልሻታት ድማ ነቶም ካብ ኲናት ሃዲሞም ሂወቶም ንምድሓን ዝስደዱ ሲቪላውያን ሰባት ዒላም ብምግባር ይቀትልዎምን ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይበፅሖም ይኽልክሉን። ነዚ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ድማ ኣባላት ህፁፅ ውሃብ ድጋፍን መሻርኽቶም ምልሻን ኣብ ሱዳን ዓሌታዊ ፅንተት ፈፂሞም እዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ በፂሐ አለኹ።” ኢሎም።
ኣንፃር ህዝቢ ሱዳን ብወገኑ ንዝፈፀሞ ግፍዒ ንመራሒ RSF መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣሜሪካ ክልከላ ኣምቢራትሉ ኣላ።
ከምኡ'ውን አብ ሕቡትራት ኢማራት ዓረብ ዝርከባ ሸውዓተ ብRSF ዝውነና ትካላትን ሓደ ውልቀ ሰብ ድማ ንRSF ኣፅዋር ኣብ ምስጋር ብምውፋሩ ተመሳሳሊ ክልከላ ኣንቢራትሎም ኣላ።
“ኣሜሪካ ብኽልቲኦም ወገናት ዝምራሕ እዚ ውግእ ኣይትድግፎን፣ ከምኡ'ውን እዚ ኣብ ልዕሊ ሒመቲን RSF ዝተነብረ ክልከላ ንብኣል ቡርሃን ዝምርሑ ሓይሊታት ሱዳን (SAF) ብምድጋፍ ዝተገብረ ዘይምዃኑ ዝገለፁ ብሊንከን ኣብቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም “ክልቲኦም ተዋጋእቲ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተፈፀመ በደልን መከራን ሓላፍነት ዝወስዱ ኾይኖም ንመፃኢ ሰላም ዝዓሰላ ሱዳን ንምምሕደር ሕጋዊ ስልጣን የብሎምን ኢሎም።
ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕን መከራን ዘቐፅሉ ዘለዉ ወገናት ካብ ተግባራቶም ንኽቑጠቡ ተወሰኽቲ ክልከላታት ተምብረሉ ተወሰኽቲ መፅናዕትታት ምክያዳ ትቕፅለሉ ኣላ።