Accessibility links

Breaking News

ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ ኣመሪካ ትጽውዕ


ኣሜሪካ በቲ ኣብ ቀረባ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ንዶብ ቻድ ኣቋሪፁ ዝመፅእ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኸይኣቱ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ልዑል ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ትገልፅ። ዕጡቃት ሰራዊት ሱዳን ኣብ'ቶም ውሃብ ድጋፍ ሓይሊታት ዝተቖፃፀርዎም ከባቢታት ዝርከቡ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽይበፅሖም ይኽልክሉ ኣለዉ። ከምኡ'ውን ሓይሊታት ቅልጡፍ ውሃብ ደገፍ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ካብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ፣ ናይ ንግዲ ቦታታትን ማዕከናት ሰብኣዊ ሓገዛትን ይዘርጉ ምህላዎም ካልእ ስግኣት ንኣሜሪካ ስግኣት ዝፈጠረላ ጉዳይ እዩ።

ኣሜሪካ ንክልቲኦም ኣካላት ማለት'ውን ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን (SAF) ሓይሊታት ቅልጡፍ ውሃብ ድጋፍ (RSF)ን ብቕልጡፍ ናብ ኩሉ ከባቢታት ሰብኣዊ ድጋፍ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ንኽባፃሕ ከፍቅዱ ፀዊዓ። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንሱዳን ዝነበሩ ጃን ጋድፍሪ ከምዝበልዎ።

“እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ካብ ዝጅመር ን6.2 ሚልዮን ሱዳናውያን ኣብ ውሽጢ ኣመዛቢሉ፣ ናብ ከባቢ 1.8 ሚልዮን ተወሰኽቲ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ብምግባር ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምምዝባል ኮይኑ ይርከብ።”

ኣሜሪካ እቶም ኣብ ሙሉእ ሱዳን ዝርከቡ ትካላት ሓገዝ ድልየት እቶም ዝያዳ ተቓላዕቲ ዜጋታት ሱዳን ምላሽ ንምሃብ ዝገብርዎ ተባዕ ፃዕሪ ትንእድ። ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ከምዝበልዎ።

“ኣሜሪካ SAFን RSFን ከምኡ'ውን ብሲቪላውያን ሰበስልጣናት ንዝወስድዎም ስጉምቲታት ትኹንን። ሲቪላዊ ቦታታት፣ መርበባት ኢንተርኔት ስልክን ምድራት፣ ኣብሞንጎ ዓሌታት ጎንፂ ንኽፍጠር ምልዕዓልን በቲ ግጭት ንዝተሃሰየ ማሕበረሰብ ሓገዝ ንዘቅርቡ ጉጅለታት ከም ገበነኛታት ምብያን ዝኣምሰሉን ኣትሪራ ትኹንን።”

“ሲቪል ሱዳናውያን ብሓቂ ንህዝቢ ሱዳን ዝውክል ሲቪላዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ብናፃነት ናይ ምውዳብ መሰሎም ክሕሎ ይግባእ።”

XS
SM
MD
LG