ቀንዲ ጠመተ ቀዳሞት ሰሙናት ስልጣን ፕሬዝዳንት ትራምፕ ዋላ’ኳ ኣብ ምዕራባዊ ንፍቀ ክበብ ጠመተ ገይሩዝቐነየ እንተኾነ ግብረ ሽበራዊያን ዳዕሽ (ISIS) ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ዘስዕብዎ ሓደጋ ግን ዕሽሽ ኣይተባህለን።
ከምኡ’ውን ምምሕዳር ጥቡቕ እስላማዊ ሕግታት ዘሰጉም ካሊፌት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ክፋል ዳዕሽ ኣብ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ 2019 ብኣሜሪካን መሻርኽታ ኩርዳውያንን እንተተ ደምሰሰ እቲ ጉጅለ ንርእሱ ናብ ዞባዊ መርበብ ጨናፍር ብንቕያር ዝርገሐኡ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ኣስፊሑ። ኣብ ቀረባ እዋናት ድማ ኣፍሪካ በቲ እናዓበየ ዝመፀ ግብረሽበራ ዝርገሐ ተግባር ዳዕሽ ትሳቐ ኣላ።
ነቲ ማሕበረሰብ ብምግዳድ ዘይምርግጋኣት ንኽፍጠር ዝገብር ሓይሊ ሙዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኻዊ ስግኣት ኮይኖም ‘ውን ቀፂሎም ኣለዉ። ዓመታዊ ገምጋም ስግኣት ማሕበረሰብ ስለያ (ደሕንነት)ኣሜሪካ 2024 ከምዘመልክቶ “ዳዕሽ ዋላ’ኳ ኣብ ዞባዊ ጨናፍር ተሞርኪሱ ክፀንሕ እንተተገደደ ማእከል ዓለም ልእኻዊ ትካል ኮይኑ’ዩ ክእፅል።
ከምኡ’ውን ዓለም ለኻዊ መጥቃዕቲታት ኣንፃር ምዕራባውያንን ረብሓታቶምን ምፍፃምን ምልዕዓልን ምፍታኑ ክቕፅል እዩ። ብሰንኪ ቀፃላይ ስግኣታት ዳዕሽ ኣሜሪካ ንዕዑ ንምጥፋእን ንምምካትን እትገብሮ ፃዕራ ኣይክተቋርፅን እያ። ናይዚ መቐፀልታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 1 ለካቲት ኣሜሪካ ኣንፃር እቲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ ዳዕሽ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ።
እቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ምስ ፊደራላዊ መንግስቲ ሶማሊያን ብምትሕብባር ዝተፈፀመ ኮይኑ ኣንፃር እቶም ኣብ ኣኽራን ጎሊስ ንዝርከቡ ኣባላት ዳዒሽ ሶማልያ ዘነፃፀረ ምኹኣኑ መግለፂ ሚኒስትር ምኽልኻል ኣሜሪካ ፔት ሀግስት ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂኦም ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ ገምጋም ፔንታጎን ብርክት ዝበሉ ኣባላት ዳዕሽ ምቕታሎምን በቲ ስርሒት ሲቪላዊ ማህሰይቲ ዘይምውራዱ ይገልፅ።
ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዳ ወተሃደራዊ እዚ ሕብረት ኣሜሪካን ኣፍሪካን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝጠቐሶ “ሲቪላውያን ንኸይጉድኡ ልዑል ጥንቃቐ ከምዝውሰደን ሓለዋ ደሕንነት ሲቪላውያን ቀንዲ ኣገዳሲ ጉዳይ እቲ እዚ ከምዝኮነን ውሕስትን ርግእትን ኣፍሪካ ኣብ ምህናፅ ናይ ዝግበር ፃዕሪ መቐፀልታ ስርሒት ምዃኑን” ገሊፁ።
ፕሬዝዳንት ትራምፕ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ቀንዲ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝገለፅዎ “ኣንፃር ላዕለዎት ወጠንትን መጥቃዕቲን ዳዕሽን ካልኦት ኣብ ሶማልያ ዝመልመሎምን ዝመርሖምን ግብረሽበራውያንን እዮ” ክብሉ ብምግላፅ “እዞም ቀተልቲ ኣብ በዓቲታት ተሓቢኦም ንኣሜሪካን ካልኦት መሻርኽትናን ከፈራርሑ ዝፀንሑ እዮም” ክብሉ ፅሒፎም። “እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ነቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ በዓቲታት ኣዕንዩ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ከየውረደ ብዙሓት ኣሸበርቲ ቀቲሉ” ክብሉ ብምግላፅ።
“እዚ ንዳዕሽን ካልኦት ኩሎምን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ምጥቃዕቲ ንዝፍፅሙ ኣብ ዝኣተኹሞ ኣቲና ክንረኽበኩምን ክንቀትለኩምን ኢና” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ ኢሎም።