Accessibility links

Breaking News

ዝኽሪ መዓልቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ


ኣሜሪካውያን ኩል ግዘ ኣብ ሳልሰይቲ ሰኑይ ወርሒ ለካቲት መዓልቲ ፕሬዝዳንት የብዕሉ። ኣብዛ ዕለት ኩሎም ዝነበሩን ዘለውን ፕሬዝዳንታት ብፍላይ ድማ ነቶም መዓልቲ ውልደቶም ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ 10 መዓልቲ ኣፈላላት ዝኽበር ጆርጅ ዋሽንግተንን ኣብርሃም ሊንከንን ዝያዳ ይዝከሩ። ናይ ጆርጅ ዋሽንግተን 22 ለካቲት ክኸውን ከሎ 10 ለካቲት ድማ ናይ ሊንከን መዓልቲ ልደት እዩ።

ይኹን'ምበር እቲ ናይ መጀመርታ በዓል ኮነ ዋላውን እቲ ኣብ 1971 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ በዓል ነቲ መዓልቲ ልደት ዋሽንግተን መዓልቲ ፕሬዝዳንት ብዝብል ሽም ኣይቀየሮን ዋላ'ውን ናይ ሊንከን። ኩልግዘ ነቶም ፈላማይ ፕሬዝዳንት እዛ ሃገር ዝነበሩ ጆርጅ ዋሽንግተን ንምምስጋንን ኣፍልጦ ንምሃብን ዝበዓል ኮይኑ እዩ ቀፂሉ።

ጆርጅ ዋሽንግተን ነቶም ኣንፃር ንግስና ብሪጣንያ ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ሰራዊት ዝመርሑ እዮም። ሉዑል ኣፍልጦ ድማ ረኸብ። እቲ ፈላማይ መዓልቲ ልደቱ ኣብ ጥቃ ፊላደልፊያ ዝርከብ ፎርጅ ቫሊ ኣብ ዝበሃል ክረምታዊ ካምፒ እቲ ሰራዊት ኣብ 1778 ተኸብረ። ኣብቲ እዋን ብርክት ዝበሉ ሃረምቲ ከበሮን ሻምብቆ ፋፃን ብዝፃወቱ ኣብ ፊት ንፊት እቲ ካምፒ ንልደቱ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቅረቡ። ዋሽንግተን ድሕሪ እቲ ምርኢት ከምዝበልዎ “ ክጅምር ከሎ መግለፂ ፅልኣት ንንጉስ ጆርጅ” ይመስል ክብሎ ተዛሪቦም።

ዋሽንግተን በዓል ክበዓለሎም ዝደሉ ዓይነት ሰበ ኣይነበሩን። ይኹን’ምበር ሓደ ከተኣኻኽብ ዝኽእል ስብእና ኣገዳሲ ሙዃኑ ይርድኡ ነበሩ። ነቲ ህዝቢ ኣተሓባቢሩ ንጥቅሚ እዛ ሓዳስ ሃገር ብሓንሳብ ንምስራሕ ከለዓዕል ዝኽእል ከምዘድሊ ግን ተረዲዎም ነበረ።

ኣብ 1799 ዋሽንግተን ድሕሪ ምሟቶም 'ውን ኣሜሪካውያን ልደት ወግዓዊ ብዘይ ኮነ መልክዑ የብዕልዎ ነይሮም። ዳሓር ግን ኣብ 1871 ወርሒ ለካቲት ሃገራዊት በዓል ኮነት ። ኣብ 1971 ድማ እቲ ባዓል ኣብ ወርሒ ለካቲት ሳልሰይቲ ሰኑይ እቲ በዓል ንኽኽበር ብሕጊ ተወሰነ።

ዋሽንግተን ንኹሎም ኣብቲ ዝለዓለ ቤት ፅሕፈት እዛ ሃገር ዋይት ሃውስ ዝሰዓብዎ ኣብነት ኮይኖም እዮም። ነዛ ሃገር ኣብ መሰረታ ኣብ ዝደልደለ ቁጠባ ብምቅማጥ ነታ ሓዳስ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ኣብቲ ቃንዛኣ ከም ሕማም ሕርሲ ዝመረረ እዋን መሪሖም ብምውፃእ ቀልጢፉ ህዱእ፣ ዴሞክራሲያዊን ሕጋዊን መንግስቲ መስሪቱ። ድሕሪ ናይ ክልተ ኣርባዕተ እብረ ዓመታት ብድልየቶም ብምሕዳግ ነቲ ክትከኦም ዝተመርፀ መራሒ ስልጣኖም ብሰላማዊ መገዲ ምርካብ ብምርግጋፅ ኩሎም ብድሕሪኦም ንዝመፁ ፕሬዝዳንታት ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም።

XS
SM
MD
LG