Accessibility links

Breaking News

ኣብ ግጭት ዝተቐርቐሩ ህጻናት ምክልካል


“ህፃናት ካብ ፅልዋታት ጎንፂ ንምክልኻል ክንድቲ ዝግባእ ከምዘይ ሰራሕና ንፁር እዩ” ክብሉ ግዝያዊ ምኽትል ወኪል ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጀፍሪ ደለረንተስ ገሊፆም። ናይ’ዚ ዓመት ንህፃናትን ኣፅዋራት ውግእን ዝምልከት ፀብፃብ ጎንፅታት ከመይ ንህፃናት ይሃስዮም ምህላዉ ዘሕዝን ስእሊ ዝህብ እዩ ኢሎም ኣምባሳደ ደላውረንቲስ።

“ኣብ 2022 ሕቡራት ሃገራት ዘውፀኦ ሪፖርት ከምዘመልክቶ ኣብ 27,180 ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝተፈፀሙ ንልዕሊ 8,600 ህፃናት ምውታትን ስንኩላንን ዝኾኑሉ ሽዱሽተ ኣጋጣምታት ከቢድ ግህሰት ምንባሮም ይሕብር። በዚ ዘሰምብድ ቁፅሪ ኣዚና ሓዚንና ኢና። ይኹን’ምበር በቲ ምስ ኣብቲ ጎንፂ ዝሳተፉ ኣካላት ዝተገብረ ዘተ 12,460 ህፃናት ካብ ጉጅለ ዕጡቛትን ሓይልታትን ከነፍትሕ ምኽኣልና ዘተባብዕ ኮይኑ ህይወት ህፃናት ብዝበለፀ ምዕሩይ ንምግባር ግን ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክንወስድ ተስፋ ንገብር።”

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለ ኣዝዮም ብዙሓት ህፃናት ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ፣ መጭወይቲ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸይረኽቡ ተኸልኪሎምን እዮም ኢሎም ኣምባሳደር ደለረንተስ።

“ኣብ ሱዳን ዘሎ ኹነታት ከምዝሕብሮ ህፃናት ካብ መንበርታቶም ክመዛበሉ ይግደዱ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ንፆታዊ ዓመፅ ዝዓለመ ካብ ስድረኦም ይፈልዩዎም። ኣብ ኮሎምብያ ጉጅለ ብዕጡቓት ቀንዲ ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ጥቕዓት ገበን ኮይኖም ቀፂሎም ኣለዉ። ብሓይሊ ህፃናት ብምምልማል ብፍላይ ኣብ ገጠራት ንዝርከቡ ኣፍሮ ደቀባት ኮሎምቢያ ስግኣት ኮይኖም ቀፂሎም ኣለዉ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ወፃኢ ትምህርቲ ንኽይረኽባ ዝግበር ክልከላ፣ ዕድመአን ከይበፅሐ ብኣስገዳድ ዝፍፀም መርዓን ብኣስገዳድ ንወተሃደራዊነት ዝግበር ምልመላን ንኣካላውን ስምዒታውን ፅቡቕ ህይወት መንእሰያት ዝጎድእ ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ዩክሬን ኣባላት ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ቅትለት ከምዝፈጸሙን ጎኒ ንጎኒ ’ዚ ድማ ሰበስልጣን ሩስያ ድማ ካብ ስድራቤቶም ብሓይሊ ዝተፈልዩ ህጻናት ሓዊሱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዩክሬናውያን ሲቪላት ብሓይሊ ተፈል’ዮም ናብ ሩስያ ከምዝተወሰዱ ተገሊጹ።

ኣምባሳደር ደላውረንቲስ “እዚ ፅኑዕ ክውንነት ዓቕሚ ምክልኻል ህፃናት ማሕበረሰብ ዓለም ምሕያል ህፁፅነትን ኣድላይነትን ከምኡ’ውን ኩለን ሃገራት ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝተቐመጠ መትከላትን ከኽብራ ወሳኒ ኣድላይነቱ ከም ልቢ ዝትንክፍ መዘኻኸሪ ኮይኑ የገልግል ።” ኢሎም ንሶም ወሲኾም

“ኣብ ዓለም ዝርከቡ ህፃናት ደሕንነቶም ዘውሕስ ስጉምቲ ክንወስድ ከለናን ሓባራዊ መፃኢና ንምውሓስ ቀፀልቲ ጎንፅታት ንምምእላይ ዝሕግዝ ስራሕ ክንሰርሕ ከለና እዩ ውሕስና ክስመዖም፣ ትምህርቲ ክረኽቡን መፃኢኦም ክእምቱን” ዝኽእሉ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG