Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ንሱዳናውያን ዝውዕል 203 ሚልዮን ተወሳኺ ሓገዝ ክትህብ’ያ


ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘስዕቦ ሰብኣዊ ክሳራ ምሉእ ዕንወት’ዩ። ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መንበሪታቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም ክልተ ሚልዮን ሃገሮም ገዲፎም ዝተሰደዱ ምዃኖም ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳድር ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊለድ ጠቒሰን።

“ኣብ ርእሲኡ ከኣ ጥሜት ኣሎ፡” ኢለን እተን ኣምባሳድር። “2.6 ሚልዮን ህዝቢ ስእነት መግቢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ካብዚኣቶም እቶሞ ሓደ ሲሶ ህጹጽ ሓግዝ ዝጽበዩ’ዮም። ሓደ ርብዒ ዝበጽሑ ቆልዑ፡ ኣንስቲን ኣረገውቲን ዝርከቡዎም ድማ ካብ ተረፍ-መርፍ መግቢ ከናድዩን ክሳብ ኣቝጽልቲ ክምገቡን ተገዲዶም ኣለዉ፡” ይብላ እተን ኣምባሳድር።

እቲ ኣሓዛኒ ተርእዮ ድማ እቲ ግጭት ዝግበኦ ኣቓልቦ ከም ዘይረኸበ’የን እተን ኣምባሳድር ዝገልጻ።

ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውላዕ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኲናት፡ ንግዳያት ንምሕጋዝ ዝተብገ ጻውዒት፡ ክልተ ሲሶ ካብቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ጥራይ’ዩ ናብ ተጸበይቲ በጺሑ። ኣቐዲሙ ግን ሓደ ርብዒ ናይቲ ዝድለ ሓገዝ ጥራይ’ዩ ክውህለል ክኢሉ። እቲ ዘሕዝን ክስተት ድማ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ነቲ ሓግዝ ናብ ተጸበይቲ ከይበጽሕ ይዓግቶ ምንባሩ እተን ኣምባሳድር ይገልጻ። እቲ ተግባር ፍጹም ዘይቅብሉ ምዃኑ ድማ ይሕብራ ኣምባሳድር ግሪን-ፊልድ።

ኣብ 2024 ኣመሪካ ንሱዳናውያን ዝውዕል ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበር ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ። እዚ ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ማይን መግቢን፡ መዕቆቢን ስነ-ኣእሙራዊ ሓገዝን ዝውዕል’ዩ። እዚ ሓገዝ ናብቶም ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዘለዉ ተጸበይቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነአቶሚ ናብ ጎረብባቲ ሃገራት ከም ጫድ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳን ኢትዮጵያን ተሰዲዶም ዘለዉ ሱዳናውያን’ውን ዝውዕል’ዩ።

እንተዀነ እዚ ሓገዝ ገና እኹል ዘይምዃኑ’የን ኣምባሳድር ግሪን-ፊለድ ዝገልጻ።

“ተወሳኺ 203 ሚልዮን ዶላር ንህዝቢ ሱዳን ሓገዝ ክንህብ ምዃንና ብሓጐስ እገልጽ። እዚ ሓገዝ ከኣ ጻውዒት ንኣወንታዊ ተበግሶ ክኸውን ተስፋ እገብር” ኢለን ኣምባሳድር ግሪን-ፊልድ። ንሰን ኣስዒበን እዚ ሓገዝ’ዚ ግን ዘላቒ ፍታሕ ከም ዘይኰነ ብምጥቃስ ኵሉ ኣካል ንነባሪ መፍትሒ ክሰርሕ ጸዊዐን። ልዕሊ ኵሉ ድማ ኣመሪካ ንሱዳን ናብ ቅኑዕ መንገዲ ደሞክራሲ ንምምጻእን እቲ ኣሰቃቒ ግጭት ንምዕራፍን ክትሰርሕ ምዃና እተን ኣምባሳድር ጠቒሰን።

መንግስቲ ኣመሪካ’ውን ነቶም ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምዕራፍ ዝሰርሑ ከም ወትሩ ምስጋንኡ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG