Accessibility links

Breaking News

ጻውዒት ሰላም ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ


ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣታት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግም ዝተላዕለ ውግእ ነቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ኣንፃራዊ ህድኣት ከምዘፍረሰ ሕቡራት ሃገራት እቲ ይገልጽ።

“ሐጂ’ውን እንተኾነ ብመዳይ ሰብኣውነት ኮነ ፀጥታ ፈፂሙ ዝተመሓየሸ ነገር የሎን” ይብል። ብርግፅ እቲ ኣብ መንጎ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ንጉጅለ ዕጡቓት ይሕግዙ ኣለዉ ብዝብል ነንሕድሕዶም ምውንጅጃሎም ስዒቡ ዝተላዕለ ግጭት ቀፂሉ ሓደግኡ ዝኸፍአ ገይሩዎ'ሎ።”

እቲ ዳግማይ ዝተላዕለ ውግእ መቐፀልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ብM23 ተባሂሎም ዝፅውዑ ጉጅለ ዕጡቓት ንኻልኣይ እዋን ዝተላዕለ ኾይኑ መብዛሕትኦም ብተደጋጋሚ ካብ ጎረቤት ሃገር ሩዋንዳ ዝመፁን ቱትሲያውያንን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለን ይርከብዎም። እቲ ጉጅለ ዋላ’ኳ ኣብ ኮንጎ ዝነብሩ ቱትሲያውያን ንምሕላው እየ ዝብል ምኽንያት ድኣ የቕርቡ ‘ምበር ዝያዳ ግን ማዕድናዊ ሃብቲ ኮንጎ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምውፃእ እዩ ድልየቶም።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ “ኣብ’ቲ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ኣብ መንጎ ኮንጎን ሩዋንዳን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ምምፅኡ ስዒቡ ኣዝዩ ዘሰክፍ ይኸውን ኣሎ” ኢለን።

“ሐጂ’ውን ደጊመ ዝብሎ ፃዊዕትና ሩዋንዳ ብህፁፅ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ዝተነብረሉ M23 ምሕጋዛ ደው ከተብልን ካብ መሬት ኮንጎ ክትወፅእን እዩ። ከምኡ’ውን ንዕጡቓት ሓይልታት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ’ውን ነቶም ብሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ዝተነብረሎም ዴሞክራሲያዊ ሓይሊታት ንሓርነት ሩዋንዳ ዘለዋ ርክብ ከተቋርፅ’ውን ንፅውዕ።”

ከምኡ’ውን “ብኽልቲኣዊ ይኹን ብማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝወፈሩ ዞባዊ ሰራዊት’ውን በቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዘቐመጦ ተልእኾ ምርግጋእ ነንሕድሕዶም ክወሃሃዱ ንፅውዕ" ከምኡ’ውን ካብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግህሰትን ዘይሕጋዊ ምውፃእ ማዕድናትን ሓዊሱ ካልኦት ዘይሕጋውያን ተግባራት ክቑጠቡ ይግባእ ኢለን።

“ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ኩነታት በፂሑ ይርከብ። ኣብ 2013 ጥራሕ ብሰንኪ ግጭታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ተመዛቢሉ። ብዙሓት ከኣ መግቢ፣ ማይን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽብሉ ኣብ ዘይኽእልሉ ኩነታት ክነብሩ ይግደዱ።

እተን ኣምባሳደር ወሲኸን “እቲ ዝቕፅል ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት ኣብ ምህርቲ መግብን ምክፍፋልን ከቢድ ዕንወትን ሕፅረትን ክስዕብ ገይሩ” ኢለን።

“1.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ህፁፅ ሓገዝ ውሕስና መግቢ ይርከብ፣ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ድማ ኣብ 21 ክፍለዘመን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ። ሰብ ሰርሖ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት ሰብ ሰርሖ ሰብኣዊ ቅልውላው ይኸውን ብምህላው ጠጠው ክብል ይግባእ።”

ኣምባሳደር ቶማስ ግሪን ፊልድ“ዞባዊ መራሕቲ ብፍላይ ምስቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ምርጫ እናተቓረበ ምምፅኡ ቅሉዕ ዝኾነ ዘተ ክገብሩ ይግባእ፣ እቲ ምርጭ’ውን ንደቂ ኣንስትዮን ውሑዳን ዓሌትን ሓዊሱ ንኹሉ ነፃን ፍትሓውን ክኸውን ይግባእ። ኩሎም ህዝብታት ኮንጎ ብሰላም ናይምንባርን ምርጫኦም ብድምፆም ናይምውሳንን መሰሎም ክኽበርን ይግባእ” ኢለን ።

XS
SM
MD
LG