ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ብበየኖም ኣካላት ሱዳን ዝተበጽሐ ፈላሚ ፖለቲካዊ ስርዒት ብሓጐስ ተቐቢላቶ ኣላ። ኣብቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ፡ ንኹነታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝጥምት መብርሂ፡ ኣብ ኤምባሲ ሱዳን ፖሊቲካዊ ኮሚስያር ዝዀነ ጆን ከልይ፡ “እዚ ተበጺሑ ዘሎ ጕዕዞ ኣብ ናብ ደሞክራሲያዊ ስጝር ዝወስድ ቀዳማይ ስጕምቲ’ዩ። እዚ ድማ ሱዳን ናብ ሓቛፊ ፖለቲካዊ ርግኣት ዝወስድ ጽፉው መገዲ’ዩ። ንሱዳን ካብ ዘላቶ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከስግራ ድማ ተስፋ ኣለዎ፡” ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ፳፪፩ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወታህደራዊ ክንፊ ሱዳን፡ ነቲ ብሲቪላዊ ምምሕዳር ዝምእከል ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዓልዩ፡ ነቲ ተስፋ ተዘሪኡሉ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ ጕዕዞ ኰሊፉ። ቅድሚኡ እቲ ንሱዳን ዘድመየ ምልካዊ ስርዓት’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ምግባት ስልጣን ሓድሽ ወታሃደራዊ ክንፊ ሱዳን እምበኣር ሰለማዊ ስልፍታት ስዒቡ፡ ቍጠባ እታ ሃገር ድማ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ መጺኡ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ጀነራል ቡርሃን፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ድሉዋት ምዃኖም ኣመልኪቶም።
ሓያሎ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ካልእ ኣብቲ ከይዲ እጀታ ዘለዎም ወገናትን ሱዳን፡ ነቲ ብ፭ ታሕሳስ ዝተፈረመ መቓን ስምምዕ ከቲሞም ኣለዉ። ፖለቲካዊ ኮሚሳር ከልይ ነቲ በብይኖም ኣካላት ዝበጽሑዎ ስምምዕ መጒሱ። ዝቕጽል ጕዕዞ ኣወንታዊ ተራ ክህሉዎ መታን፡ ዝርርብ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ድማ ጠቒሱ። ከልይ፡ ንዅላቶም ሓይልታት ሱዳን፡ ብጽቡቕ መንፈስ ክዛተዩን ናብ ሲቪላዊ መገዲ ዘምርሑሉ መገዲ ሓቢሮም ክሰርሑን ጸዊዑ።
ብ፯ ታሕሳስ መንግስቲ ኣመሪካ ነቶም ኣብ ህሉዊ ወይ ዝቐደመ መሪሕነት ሱዳን ኰይኖም ኣንጻር ሰብኣዊ መሰላት ዝሰርሑ ሰበ፡ስልጣን ናይ ቪዛ ማዕቀቡ ከም ዝቕጽሎ ኣፍሊጡ። እዚ ማዕቀብ’ዚ ነቶም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕፋንን ጸረ፡ደሞክራሲያዊ መገዲ ዝኽተሉን ወገናት’ዩ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ብብበይኖም ወገናት ሱዳን ዝተፈረመ መቓን ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ብሊንከን ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ምዕባለ ኣመልኪቶም፡ ንሱዳን ናብ ደሞክራውያዊ ስጝር ንምኻድ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ክተሓጋገዝ ምዃኑ ጠቒሶም።
ብሊንከን፡ ወታህደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብምጽዋዕ፡ ሰብኣዊ መሰላት ተኸቢሩ፡ ለውጢ ንዝጠልቡ ሰልፈኛታት ብሓይሊ ምምላስ ደው ክብል’ውን ኣዘኻኺሮም። እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ድማ ተወከልቲ ወገናት፡ ቅድሚ ውቃዊ ፖለቲካዊ ረብሓ፡ ሃገራዊ ረብሓ ከቕድሙ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።