ምምሕዳር ባይደን ሃርሪስ ቀንዲ መበገሲ ዘይሕጋዊ ስደት ወይውን ደምበታትን ዓለም ለኸ ስምምዓትን ዝጥሕሱ ዘይሕጋውያን ሰባት ዝዳኒ ኩለመዳይ መስርሕ ዝሓቆፈ ኣንፈት ኣቀ፟ሚጡ ።
እዚ ኣካይዳ ምስ ሃገራት ምእኸላይን ኣሜሪካን ካልኦት መሻርክቲ መንግስትታትን ፣ ምስ ማሕበራት ሲቪል፣ ምስ ውልቀ ሰባትን ዓለም ለኸ ትካላትን ብምትሕብባር መብዛሕትኦም ገዘኦም ገዲፎም ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ክስደዱ ዝገብሮም ዘሎ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ኩነታት ንምእላይ ዝዓለመ እዩ ።
ምኽትል ፕሬዝዳንት ካምላ ሃሪስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 26ሚያዝያ ምስ ፕሬዝዳንት ጓቲማላ ኣሌሃንድሮ ጂያማቴ ኣብ ዝገበረኦ ክልቲኣዊ ዘተ ቀንዲ መበገሲ ዘይሕጋዊ ስደት ተባሂሎም ዝግለፁ ንነዊሕ እዋን ተደጋጊሞም ዝፅርሑ'ዮም ኣሎ ።
"ድኽነትን ስእነትን ዘዕነዎ ቁጠባዊ ዕድላት ፣ሕማቅ፟ ኩነታት ኣየር ኣየር ዘስዓቦ ጉድኣትን ንምሕዋዩ ክስርሑ ዝግበኦም ጉዳያትን ከምኡ'ውን ግዕዝይናን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ፣ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፣ደቂ ኣባት እቲኸባቢ ኣብ ልዕሊ LGBTQ ወይ ከኣ ሰዓብቲ ተመሳሳሊ ፆታን ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝበፅሕ ጥቅ፟ዓት ዝኣምሰሉን ጉዳያት ጠመተ ገይርና ኣለና ።"
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዞባ እትገብሮ ሓገዝ ከተዕቢ ትልሚ ኣለዋ ካብቲ ኸባቢ ንዝብገስ ስደት ውፅኢታዊ፣ ደሕንነቱን ሰብኣዊነቱን ብዝተሓለወ መንገዲ ምትሕብባራትና ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና ኢለን ።
"ካብ ክልቲኣዊ ስራሕትናን ኩለመዳያዊ ፃዕርናን ብተወሳኺ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኣብ ዓለም ለኸ ዝርከቡ መሻርኽቲ ኣካላት ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ዝማእኸሎም ትካላት ፣ውልቀ ማሕበራትን ጠርነፍቲ ማሕበራትን ሃናፃይ ዝኾነ ስትራትቴጅታት ዘርጊሓ እያ ።"
ድሕሪ እቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝበለኦ ዩናይትድ ስቴትስ ንሰብዓዊ ሓገዝን ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝውዕልን ግዘ ዘይህቡ ወሰንቲ ፀገማት ንምእላይ ዝሕግዝን ተወሳኺ ናይ 310 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትገብር ምህላዋ ሓቢረን ።
እዚ ገንዘብ ኣብ ሳልቫዶር ፣ ጓቲማላ ፣ በሆንዱራሰን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሰባት ዝሓወሰ 'ዩ ። እቲ ሓገዝ ንቅልጡፍ ሓገዝ መግቢ ፣ መፅለሊ ፣ ንሓለዋ ጥዕና ንዝተመጣጠነ መግቢን ሓለዋ ጥዕና ንዝተመጣጠነ መግቢን ሓለዋ ፅርየትን ከምኡ"ውን ቁጠባዊ ውሕስናቅ ዝህቡ መደባት ዘተታትን ሓደጋታት ከባቢያዊ አየር ንምክልኻል ዘኽእል ስልጠናታት ዝሓወሰ እዩ ።
ካብ ስራሕትና ብዝዘለለ ሕልናዊ ኣተሓሳስባ ምዕራባዊ ዋልታ ሓባራዊ ገዛና ብሙዃኑ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ህዝብን ኣብጥቃና ዘለዉ ጎረባብትናን'ዮም ። ስለዝኾነ ኢድና ከነእቱ ግድን እዩ ኢለን እተን ምኽትል ፕሬዝዳንት ። እዚ ስራሕና ክዕወት ተሳትፎ ኩሉ ወሳኒ ይኽውን ኢለ ይኣምን ። ከምኡ'ውን ሸቶታትና ንምዕዋት ፖለቲካዊ ድልየታትን ጠንኪርካ ምስራሕን ይሓትት ። ከምዚ እንተሰሪሕና ምዕባለን ተስፋን ዘለዎ መፃኢ ምፍጣር ከምእንኽእል መግጋፅ ይከኣል ።