Accessibility links

Breaking News

መግለጺ ብ'ጂ7' ዝፍለጣ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግጭት ክልል ትግራይ


ኣብ ትግራይ ኣብዚ ቀረባታት ብዝተፈጸመ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ሕጊታትን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዘሕደረሎም ምስ ሚኒስትራት ወጻኢ ካናዳ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያ፣ ጃፓንን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተራኸቡ ምንስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጾም እዮም።

ውግእ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተወለዐ፣ ኣብ ልዕሊ ፌደራላዊ ሰራዊት ድሕሪ ዝተፈጸመ ጥቅዓት፣ ንመንግስቲ ህወሓት ንምፍራስ ወፍሪ ዕቀባ ስርዓትን ሕግን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ንፌደራላዊ ሰራዊት ናብ ትግራይ ድሕሪ ምውፋሮም እዩ። እቲ ውግእ ካብ ዝኽፈት ንዳሓር ብዙሓት ሰባት ናብ ሱዳን ሰጊሮም ዕቁባ ረኺቦም ኣለው።

ጉጅለ ሸውዓተ (ጂ-7) አብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት፣ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ምድፋር ደቂ ኣነስትዮን ጾታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት፣ ኣልማማ ድብደባ ተወንጫፊን ንተጋሩን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝተገብረሎም ኣስገዳድ ምፍንቃልን ብጽኑዕ ኮኒንዎ ኣሎ።

ኩሎም ወገናት ይብል መግለጺ ጂ-7፣ ኩሎም ወገናት ልዑል ጥንቃቀ ንክገብሩ፣ ንሰላማዊያት ሰባት ንክከላኸሉሎምን ንሕጊታት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ሕጊታትን ንክትግብሩን ኣተሓሳሲቡ። ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ፈጸምቲ ግህሰት ናብ ሕጊ ንክቀርቡ ንዝኣተዎ ቃል ንክፍጽም፣ ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን’ ጸዊዖም ኣለው።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ግፍዒን መግሃስቲን ሓቢሮም ንከጻርዩ፣ ኮምሽንሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተሰማምዑ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒን መግሃስቲን፣ ነጻ፣ ግልጽን ጸግዒ ዘይሓዘን ምጽራይ ምግባር፣ ፈጸምቲ እቲ ግፍዒን መግሃስቲን ድማ ናብ ፍርዲ ምቅራቦም ኣገዳሲ እዩ።

‘ኣብ’ቲ ውግእ ዝተጸመዱ ሓይልታት፣ ህጹጽን ዓንቀፍቀፍ ዘይብሉን ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንክህሉ ከሕግዙ’ ዩናይትድ ስቴትስን መሳርኽታ ኣባላት ጂ-7ንተላብዮም። ኣብ ማእከላዊን ምብራቃዊን ትግራይ፣ ኩነተ ህጹጽ ሓገዝ ተከሲቱ ኣሎ።

ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ እዮም’ ኢሎም ኣፍሊጦም እዮም። ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን፣ እቲ ቀ/ሚ አብዪ ኣሕመድ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ብቅልጡፍ፣ ቅድመ ኩነት ብዘይብሉን ብዝረጋገጽ ኣገባብን ክፍጸም ኣለዎ’ ይብሉ።

እቲ ሓባራዊ መግለጺ ወሲኹ ‘ውግእ ደው ክብል፣ ንተጋሩ ዘጠቃልል ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንክጅምርን ናብ ተኣማኒ መረጻን ሰፊሕ ሃገራዊ ዕርቂን ንከምርሕ’ ጸዊዖም።

‘ንሕና ኣባላት ጂ-7 (ጉጅለ ሸውዓተ)፣ ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈጸሙ መግሃስታትን ኣብ ምጽራይ ንምርዳእ ተቀሪብና ኣለና’ ብምባል ናይ ሎሚ ርእሰ ዓንቀጽ ጽሑፉ ደምዲሙ።

XS
SM
MD
LG