ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ንቀ፟ርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ኣብ ግብፂ ፣ ኤርትራ ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝነበሮም ፈላምይ በፅሓ ዛዚሞም ምምላሶም ዝዝከር እዩ ። ዘሕለፍዎ መልእኽቲ'ውን ዩናይትድ ስቴትስ ኣብቲ ዞባ ንዝለዓሉ ቅልውላዋት ኣፍልጦ ብምሃብ ንምፍታሕ ከመትፅዕር፣ ንምዕባለን ምርግጋኣትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ድምፂ ዜጋታቱ ዝሰምዕን ዝርዳእን መንግሲቲ ዘለዋ ዞባ ንምፍጣር ልዑል ሓገዝ ከምእትገብር ዝሕብር እዩ ።
ኣብዚ እቲ ፈላማይ ግና ሉኣላዊነታን ሓድነታን ዘኽበረት ኢትዮጵያ ንምዕዋት እዚ ራእይ ወሳኒት እያ ኢላ ትኣምን ።ኮይኑ ግና ኣብ መላእ እታ ሃገር ፖለቲካውን ዓሌታውን ምክፍፋላት እናወሰኸ ብምምፅኡ ዓብዪ ስግኣት ኣለዋ ። ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕን ምውሳኽ ህፁፅ ሓገዝ ሰብኣውያን ዘድልዮም ህዝብን ብዝኾነ መልክዑ ተቀ፟ባልነት የብሉን ።
ዩናይትድ ስቴትስ ስምምዕ ጠጠው ምባል ተኹሲ ንኽፍፀምን ከምኡ'ውን እዚ ጭካነ ዝተምልኦ ጎንፂ ብቅ፟ልጡፍ ጠጠው ንኽብልን ፃዕራ ትቅ፟ፅል ። ከምዓኡ'ውን ህይወት ንምድሓን ዘድልዩ ሓገዛት ምቅ፟ራብን ኣብ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሳተፉ ዘለዉ ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባር ምስ መሻርኽታ ብሙዃን ትሰርሕ ።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ዓብዪ ትርጉም ዝነበሮ ሃገራዊ ኣፋፍኖት ለውጢ ዘተዓናቀ፟ፈ ፈተና እዩ ። ፍሉይ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ፌልትማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጲያን ኣብ ዘዘራረብሉ እዋን እዞም ፈተናታት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍታሕ ናፃን ፍትሓውን መረፃ ብምክያድ ሰብኣው ን ፖለቲካውን መሰላት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዘኽበረ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ብዝግበር ፃዕሪ እዩ ።እዚ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ስጋብ ዘይወፁ ተግባራዊ ክኸውን ኣፅግሚ እዩ ኢሎም ። ፌልትማን ኣስመራ ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን ‘ውን ወተሃደራቶም ብቅ፟ልጡፍ ከውፅኡ ንፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣፅኒዖም ተዛርቦሞም እዮም ።
ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዝርከብ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብቲ ዞባ መርኣያ ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ኣብ ዕድመ ትውልዲ ሓደ ግዘ ዝርከብ ዕድል እዩ ። ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ንኣመራርሓ ሱዳን ከምዝበልዎም ነቲ እታ ሃገር ናብ ዴሞክራሲ ንምስግጋር ኣብ ከይዲ ዝርከብ ፃዕሪ ሱዳን ድሕሪ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብቲ ዞባ መረጋጊኢት ሓይሊ ኮይና ክትዋሳእ ዘኽእላ ቁመና ክትፈጥር ዩናይትድ ስቴትስ ከምእትሕግዛ ፤ ከምኡ’ውን ነቲ ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ምስሕሓባት ዶብን ኣመልኪቱ ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕን ነቲ ዓንቀፍቀፋት ዝገጥሞ ዘሎ ለውጢ ሱዳን ንኸይተኣጓጎል ዩናይትድ ስቴትስ ሓገዛ ከመትገብር ሓቢሮም ።ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ትሃብፆ ዘላ መፈልፈሊ ሓይሊ፣ ደሕንነቱን ኣጠቃቅማ ማይን ኣመልኪቶም ምስ መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ፣ ካይሮን ካርቱምን ተዘራሪቦም እዮም። እዚ ብሞንጎኛታት ሕብረት ኣፍሪካ ክፍታሕ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ ። ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ስምምዓትን ንኽዓስል ኣበርቲዓ ከምእሰርሕ ኣብሪሁ ።